ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሚኒስተራት እስራኤል ዝተነብረ እገዳ ትኹንን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ክልተ ሚኒስተራት እስራኤል ዘንበረኦ እገዳ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ብዝተፈረመ መዘኻኸሪ ዝወጸ ኮይኑ፡ እቲ ብዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዒቡ ድማ ካናዳ፡ ኖርወይ፡ ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት መንግስቲ እስራኤል ዘንበረኦ እገዳ፣ "ኣብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ፡ ምፍታሕ ምሩኻትን ምዝዛም ኲናትን ዝድግፍ ኣይኮነን" ቢሉ ዋሽንግተን እስራኤል ናብቲ ሓቀይና ጸላኢኣ ማለት ሓማስ ከተተኩር ከም ዝዓደመ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሰሜና ኣመርካ ጠቒሱ የመላኽት።
እቲ ድንጋገ
እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣኽረርቲ የማናውያን ሚኒስተራት መንግስቲ እስራኤል፡ ማለት ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ቤን ግቪርን፣ ሚኒስተር ቍጠባ በዛሌልን ስሞትሪኽ ዝተነብረ እገዳ፣ "ጽንፋዊ ዓመጻን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ዘለዓዕል" ዝብል ምኽንያት ዘማእከለ ኮይኑ፣ መጀመርታ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዒቡ ድማ ካናዳ፡ ኖርወይ፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ብምዝኽካር፣ እቲ እገዳ እቶም ክልተ እስራኤላውያን ሚንስትራት ናብዘን ሃገራት ምእታው ዝኽልክልን ከምኡ’ውን ኣብዘን ሃገራት ንብረት እንተለዎም ምዕጋት ዘጠቓልል እዩ። እዚ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ዝወሃቦ ዘሎ ፖለቲካዊ ምልክት ምዃኑ እተን ነቲ እገዳ ዘንበራ ሃገራት ከም ዝሓብራ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትራምፕን ናታንያሁን ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክብ
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ምስ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኔታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ርክብ፡ ምስ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ንዝግበር ዘተ እውን ንምምችቻእ፡ ነቲ ኲናት ከብቅዕን ኣብ ሓቀይና ነባሪ ሰላም ክብጻሕ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕን ህሉው ኩነታት ንምምሕያሽን ክከኣል መታን ኣብ ኣቶማዊ ኑቕጣታት ኢራን መጥቃዕቲ ክንፍንው ኢና ዝብል ምፍርራሕ ደው ከብል ከም ዝሓተቶን፣ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ምስ ቴህራን ዝተገብረ ዘተ "ዘይንጹር" እዩ ዝብል መልሲ እውን ከም ዝሃበሉን ትራምፕ ነቲ ግጭት ከብቅዕ ንሓማስ ገለ ውሕስነት ከም ዝሃበ እውን ይንገር።
መግለጺታት ኣቡ ማዘን
ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ርእሰ ምሕደራ ኣቦ መንበር (PNA ) ኣቡ ማዘን እውን ንወተሃደራዊ ዕጥቒ ምርጋፍ ሓማስ ደገፉ ብምግላጽ፣ ንመንግስቲ ቓዛ ካብቲ ጉጅለ ክእለን ብሓይሊ ሰራዊት ዓረብ ክትክኦን ዳግማይ ሓሳብ ኣቕሪቡ: ማሕበረሰብ ዸም ነቲ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ንምባል ዘድሊ ስጉምትታት ክወስድ ከም ዝሓተተን፣ ኣቡ ማዘን ካብ 17 - 21 ሰነ ምስ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ብምዃን ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዋዕላ ፍታሕ ክልተ ግዝኣታት ክመርሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ግዳያት
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣልጀዚራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ብውሕዱ 60 ሰባት ከም ዝሞቱ ክሕብር እንከሎ ገሊኦም ካብኣቶም ኣብ ጥቓ ማእከላት ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ዝተቐትሉ ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።