MAP

ጳጳሳት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገሮም ሰላም ክወርድ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳሳት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገሮም ሰላም ክወርድ ጻውዒት የቕርቡ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገሮም ሰላም ክወርድ ጻውዒት የቕርቡ

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሰበኻ ባንጋሱ ጳጳስ ኹዋን ኾሴ ኣጉየርን ተራዳኢ ጳጳስ ኣውሬልዮ ጋዘራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ "ብዛዕባ እቲ ንረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝጸሉ ዘሎ ዓመጽ ኣዝዩ ከምዘሻቕሎም" የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሪፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ዓመጽን ዓመጽ ምስ ስዕቦ ሓዘንን ኣብ እትገጥመሉ እዋን፣ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቓዕትን ዓመጽን ንብዙሓት ሰባት ናብቲ ቅድሚ እቲ ቅልውላው ናብ ዝነበረ ኩነታት ህይወቶም ንኸይምለሱ ዝድርኽ ኵለ መዳያዊ ጸገም ከም ዘስዓበ ዝፍለፍጥ ኮይኑ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ ሸነኻዊ ዝተዋደደ ምርግጋእ ተልእኾ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን (MINUSCA)፡ እዞቶም ክልተ ማዕበላት መጥቃዕቲ ኣብ ዞባታት ምቦሞን ሃውት - ምቦሞን፡ ብውሑዱ 24 ሰባት ከም እተቐትሉን - ገሊኦም ካብኣቶም ድማ ግዳያት ብዘይ ፍርዲ ምቕታል ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፣

ነዚ ዓመጽ እዚ ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና

ካብቶም ካልኦት ዝተሰነዱ ግህሰታትን ዓመጽን፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ 14 ደቂ ኣንስትዮን 7 ኣዋልድን ብጉጅለ ምዕማጽ፡ ስቅያትን ካልእ ዓይነት ጨካንን ዘዋርድን ኣተሓሕዛን ዝኣመሰሉ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ እውን ከም እተፈጸሙ ዘመላኽት ምዃኑ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ክልቲኦም ጳጳሳት ዕለት 8 ሰነ ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቢሎም፣ ነቲ ዘሰንብድ ፍጻሜታትን ነቲ ስዒቡ ብስም ሕነ ምፍዳይ ዝተፈጸመ ዓመጽን ግብረ መልሲ ከም ዝሃቡ የመላኽት።

"ደቡባዊ ምብራቕ ሃገርና ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ዝፍጸመሉ ቦታ፡ ሰባት ዝሃድሙላ መሬት፡ ዕንወት ዘጋጥሞ መሬት እዩ ቢልና ከም ንቡር ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና . . . ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ወተሃደራት FACA (ዕጡቕ ሓይሊ ማእከላይ ኣፍሪቃ) ኣባላት፡ ግን ከኣ ሰላማውያን እውን" ዝርከብዎም ብዘጋጠሞም ሞት ምኽንያት ኣብ ሓዘን ንርከብ፣ ሰላማውያን ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም፡ ቆሲሎም፡ ተሳቒዮምን ተቐቲሎምን እዮም - እዚ ኩሉ ልዕልና ሕጊ ዘይምህላዉ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ "ብቦምባታት ዝዓነዋ፡ ዝተዘመታ፡ ብሓዊ ዝተቓጸላ ዓድታት፣ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ - ቢሎም - ኩሉ ንሰላም ክሰርሕ ንላበው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቑሱ የመላኽት።

ዑደት ስቓይ ከብቅዕ ዝግበር ዘተ ጥራሕ እዩ

ጳጳሳት ኣጉየርን ጋዘራን ነዚ ግፍዕታት እዚ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ነዚ ዑደት ዓመጽ ንምውጋድ ዝሕግዝ መንገዲ ዘተ ምዃኑ ገሊጾም ኣገዳስነት ዘተ ኣስሚሮም፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዚ ዘተ እተተባብዕን እተመርሕን ከም ገለልተይና ባይታ ኣቕሪቦም። "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያ መኣዲ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብምዃን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ንምቕባል ድልውቲ እያ" ከም ዝበሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ማእከላይ ኣፍሪቃ "እዚ ግዜ ናይ ውግእ ዘይኮነስ ናይ ዘተ እዩ! ናይ ዓመጽ ግዜ ዘይኮነስ ናይ ምስማዕ ግዜ እዩ! ናይ ምጥርጣርን ቂምታን፣ ክስን ቅንእን ቅርሕንትን ግዜ ዘይኮነስ ድኻታት ዝሰምዑሉ፣ ናይ ሰላም ኣውያት ዝሰምዓሉ እዋን እዩ! ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፣ እቶም ክልተ ጳጳሳት ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሰላም ክነብር ዘኽእሎ ሃዋሁ ከም ዝውሕስ ኣረጋጊጾም፡ ነታ ሃገር ዝኾነ ሰብ ንህይወትን ንመጻኢን ብተስፋ ዝጥምታ ሃገር ክትከውን ከምእትኽእል ዘለዎም እምነት ብምግላጽ መልእኽቶ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

12 Jun 2025, 16:37