MAP

ታይላንዳዊ ምሁር ቡድሃዊ ብዛዕባ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሰላምን ሓድነትን የስተንትኑ ታይላንዳዊ ምሁር ቡድሃዊ ብዛዕባ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሰላምን ሓድነትን የስተንትኑ 

ታይላንዳዊ ምሁር ቡድሃዊ ብዛዕባ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሰላምን ሓድነትን የስተንትኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣግልግሎቶም ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብጀካ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኤቝመናውያን ኣቢያተ ክርስቲያናትን መራሕቲ እውን ከም እተሳተፉን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ፍጻሜ ዝተሳተፉ ናይ ታይላድ ሃይማኖት ብድሃ ወኪሎም ዝተሳተፉ ዶክተር ቡንቹዋይ ዱጃይ፡ ብዛዕባ ጻውዒት ሰላምን ሓድነትን ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዶክተር ቡንቹዋይ ዱጃይ፡ መነኮስ ሃይማኖት ቡድሃ ነበር፡ ፍሉጥ ምሁርን ኣቦ መንበር ናይ ታይላንድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ርክብ ማሕበር ንማሕበራዊ ልምዓት፡ ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንዸም ዓሚቝ ምሳልያዊ ህሞት ምዃኑ ሊካስ ምስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለኢ ኣመላኺቶም፣ “ሊዮን መበል 14 ዝብል ስም ብምምራጾም፡ ናብቲ ተባዕ ማሕበራዊ ትምህርትታት ቤተ ክርስቲያን ዘተኩሩ ምዃኖም ዘረጋግጽ እዩ። ማለት ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓለማዊ ምፍልላይ ንምፍዋስ ፍትሕን ዘተን ሓድነትን ዘጉልሕ እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም።

 “እቲ ቀዳማይ ዘስምዕዎ ቃል፣ ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን! ወይ ‘ሰላም ምሳኹም ይኹን!” ዝብል ምንባሩ ዘኪሮም፣ ንካቶሊካዊ ስርዓተ ኣምልኾ ዘቃልሕ ቃል እኳ እንተነበረ፡ ኣብዛ ብግጭት ዝተበታተኸት ዸም ግን ኵላዊ ንጹር ጻውዒት ሰላም እዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎትም ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብተን ብኲናት ዝዓነዋ ዞባታት ሰላም ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘዘኻኽር ምዃን ኣስተብሂሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ካብዚ ዸም ብሞት ምፍላዮም ሓደ መዓልቲ ቅድም ኣቢሎም ኣብ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ናይ መወዳእታ ቡራኬ ንሮማን ዸምን ሂቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ “ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣእዛንና ይስማዕ ኣሎ - ድኻም ዝነበሮም ምዃኑ ዝረአ እውን እንተነበረ ከምቲ ኩሉ ግዜ ቃሎም ትብዓት ዝመልኦ እዩ ነይሩ” እንክብሉ ዘኪሮም፣

ሓላፊ ትካል ቡድሃዊ ቦዲቫላያ ዶክተር ቡንቹዋይ ዱጃይ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም. ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሎፕያኖ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማእከል ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፣ "እቲ ርክብ ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ዓብዪ ክብሪ እዩ ነይሩ። ተራ ህይወትን ብጸጋን ዝነብሩን ዓሚቕ ትሕትና ዝነበሮም ንክብርታት ዘተን ፍቅርን ተቐባልነትን ምስ ዘንጸባረቑ ር.ሊ.ጳጳሳት እየ ዝተራኸብኩ - ምስ በሉ - ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣሰር ይስዕቡ ምህላዎም ንጹር ኢዩ እንተዀነ ግን ንባህሊ ብምኽባርን ለውጢ ብምቕባልን ናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ እውን ከም ዝህልዎም ርጉጽ እዩ። ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጻልነት ዘቃልሑ ጥራይ ዘይኰነስ ሓድሽ ኣገባብ እውን ከም ዜምጽኡ ድሮ ንርእዮ ኣሎና፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፣ "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ነገር ድላይ ምስማዕ ከምኡውን ምርድዳእን ሓድነትን ናይ ምድላይ ክእለቶም ኢዩ፣ እዚ ክብርታት እዚ "ኣብ ዸም ሰላምን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ስኒትን ብሓቂ ዝብህግ ሰብ ምዃኖም እዩ ዘረጋግጸልና” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

21 May 2025, 16:15