MAP

ሶርያ፡ እገዳ ኣመሪካ ክለዓል ትጽበን ተስፋ ትገብርን ሶርያ፡ እገዳ ኣመሪካ ክለዓል ትጽበን ተስፋ ትገብርን  (ANSA)

ሶርያ፡ እገዳ ኣመሪካ ክለዓል ትጽበን ተስፋ ትገብርን

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተነብረ ቁጠባዊ እገዳ ከምዝለዓል ኣፍሊጡ። ንነዊሕ እዋን ብናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ባዕሉ ህዝቢ ሶርያን ዝላቦዎ ዝነበረ ስጉምቲ፣ ብዙሕ ጥንቃቔ ዘድልዮ ምዃኑ ኣብ ኣለፖ ልኡካነ ወንጌል ኣባል ማሕበር ቅድስተ ማርያም ኣባ ጆርጅ ሳቤ ገሊጾም። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሶርያ መሰላቱ ተሓልዩሉ ይነብር ምህላዉ ምክትታል ዘድልዮ ምዃኑ ድማ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 “ብሓቂ ዘይተጸበናዮ ውሳኔ እዩ ነይሩ፣ ገሪሙና” እንክብሉ ኣባ ሰቤ ብስልኪ ካብ ሃለፖ ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዕለት 13 ግንቦት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፣ ከምቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝገለጾ፣ "ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋጽ" ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕል ምዃኑ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም፣ ትራምዝሃቦ ውሳኔ ሓጎስ ዝፈጠረሉ ዝህቢ ደማስቆ ኣብ ኣደባባይ ኡማያ ወጺኡ ናይ ሓጎስ ሰልፍታት ከም ዘካየደ ይሕብሩ።

"ንዓና ዓቢ ሓጎስ እዩ"

እዚ ሶሪያ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣል - ኣሳድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን  ኣብ 2011 ዓ.ም. ካብ ምጅማር ኲናት ሓድሕድ እትሒዙ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘንበረቶ እገዳ፣ ንኹነታት መነባብሮ ህዝቢ ሶርያ ኣዚዩ ናብ ጽንኩር ኩነታት ከብል ከም ዝገበረ ኣባ ሳቤ ገሊጾም፣ "ምልዓል እቲ እገዳ ንመዓልታዊ ህይወት ሶርያውያን ይጸልዎ እዩ፣ ስለዚ ነዚ ውሳኔ ምልዓል እገዳ ብዓቢ ሓጎስ ኢና ንቕበሎ፣ ይኹን እምበር ንቑሕ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ እውን የጒልሑ - እዚ እተፈጸመ ተስፋ እዩ፣ እንተዀነ ግን ክንከታተሎ ይግባእ" ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ኣመሪካውያን ንሶርያውያን እቲ እገዳ ምውጋዶም መሰረት ካብ ሶርያ ዝሓትዎ ጉዳይ ክህሉ ዝከእል እዩ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ህዝቢ ንህንጸት እታ ሃገር ገዛእ ርእሱ ኽውፊ ኣለዎ” ኢሎም።

ኣገዳስነት ንቑሕ ምዃን

ካብቶም ገና ክንጸሩ ዘለዎም ጉዳያት፣ ተራ ውሑዳት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ዝምልከት ምዃኑ ኣባ ሳቤ ኣዘኻኺሮም፣ ምልዓል እገዳ ጽቡቕ ዜና እኳ እንተኾነ፣ ሕጂ’ውን ንሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ንምሕላው  ምውፋይ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ “ክብርን ክብርታትን ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ሶርያ ክኽበር ክንሓትት ኣለናም” ምስ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ኣሕመድ ኣል- ሻራ ኣብ ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ብመሰረት ወራሲ ንግስና መስፍን ሳውዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ዘቕረቦ ሕቶ፣ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ምስ ኣቋም ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ካናዳን ኪሰማማዕ ከም ዝወሰነን፣ ይኹን እምበር ብዛዕባ ደረጃታት ምልዓል እገዳ ብንጹር ዚገልጽ ጭቡጥ መደብ ከም ዘየቕረበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሶሪያ ጠቒሱ የመላኽት።

16 May 2025, 16:32