MAP

ኣብ ፖርት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ሱዳን ኲናት እናገደደ ምዃኑ የመልክት ኣብ ፖርት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ሱዳን ኲናት እናገደደ ምዃኑ የመልክት  

ኣብ ፖርት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ሱዳን ኲናት እናገደደ ምዃኑ የመልክት

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተንከፎ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሱዳን ገጹ እናሰፈሐ ሞት፣ ዕንወትን ምምዝባልን የስዕብ ምህላዉ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሳልሳይ መዓልቲ ብተኸታታሊ ኣብታ ቀንዲ ወደባዊ ዞባ ሱዳን ዝኾነት ከተማ ፖርት ሱዳን ብዙሕ መጥቃዕትን ባርዕ ሓውን የጋጥም ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት እውን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ እቲ ዞባ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ዕለት 6 ግንቦት ብንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ እተፈነወ መጥቃዕቲ ሓደ መኽዘን ነዳዲ ሓዊስካ ኣብ እተፈላለየ ኣገደስቲ ቦታታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወን፣ ኣብ ሓደ መዕረፊ ኣጋይሽን ቀንዲ ንኡስ መደበር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሱዳንን እውን ከም ዝሃሰዩን እዚ እውን ኣብ መላእ እታ ከተማ ጸዓት መብራህቲ ክቋረጽ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሱዳን ጠቒሱ እንከመላኽት፣ ሰላማውያን ሰባት ካብ መዕርፎ ነፈርትን መዕረፊ ኣጋይሽን ክወጹ ከም እተገዱን ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብቲ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ናብ ዝተዓቖቡሉ ከባቢታት ክጓዓዙ ከም እተገዱን ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ዘሰንብድ ኩንታት እውን ይፍጠር ምህላዉ የመላኽት።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን RSF - ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዸም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ከም ዘሎን፣ እዚ ቅልውላው እዚ ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣብ ፖርት ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እውን ዝገደደ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንገር እንከሎ፣ ከተማ ፖርት ሱዳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ከምኡ’ውን ምስ ሰራዊት ሱዳን ናይ ዝተሃሳሰረ ኣባይቲ ጽሕፈት መንግስቲ ሱዳን ዝርከበላ ከተማ ብምዃና፣ እዚ ኣብታ ከተማ ዝፈኖ ዘሎ መጥቓዕቲ እቲ ኲናት እናገደደ ይከይድ ምህላዉ ዘረጋግጽ እዩ ዝበለ ምንጭታት ሱዳን ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 4 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ዞባ ፖርት ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብርቱዕ ምብራኽ ውግእ ዝውክል ምዃኑ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን RSF - ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ናብ በርገሳዊ መንግስቲ ንምስግጋር ኣብ ዘበገስዎ መስርሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ዝፈጠሮ ዘይምርድዳእን ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕን ምኽንያት ዝተበገሰ ኲናት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 12 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቶም ከም ዘመዛበለን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ዝግመት ንብርቱዕ ጥምየት ከም ዘቓለዐ የዘካኽር።

08 May 2025, 16:50