ሽሪን ኣቡ ኣክለህን ጻዕርታት ፍትሕን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፣ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ጀኒን ኣብ ዘካየደ ዘመተ፣ ኣብ መላእ ዓረብ ዸም ካብቲ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብእተቕርቦን እተመሓላልፎን ጸብጻባትን ሓበሬታን እትፍለጥ ፍልስጤማዊት - ኣመሪካዊት ጋዜጠይና ሽሪን ኣቡ ኣክለህ፣ ብጥይት ድሕሪ ርእሳ ተወቒዓ ከም ዝተቐትለ ዝዝከር ኮይኑ፣ ክሳብ ሎሚ ብቕትለታ ተሓታቲ ተባሂሉ ዝኾነ ሰብ ንፍርዲ ከም ዘይቀረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መጀመርታ እስራኤል፣ ኣቡ ኣክለክ ሽሪን ብጌጋ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ብጥይት ከምዝተሃርመት ብምግላጽ፣ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኣክለህ ሽሪን ዝተፈጸመ ቅትለት ዝኾነ ኢድ የብለይን ቢላ ነጺጋቶ ከም ዝነበረትን፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብ ኸ ገዛእ ርእሱ ወተሃደራት ብርግጽ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ተሓታቲ ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፣ ነታ ጋዜጠይና ደይመደይ ኢሉ ዕላማ መጥቃዕቲ ከም ዘይገበረ ሓቢራ ምንባራ የዘኻኽር።
ዝርዝር መርመራ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብወግዒ ተዘርጊሑ ኣይፈልጥን፣ ሰበ ስልጣን እስራኤል ብሰንኪ ዘይምትሕብባሮም ድማ ኣመሪካ ዘካየደቶ መርመራ ውዱእ ከምዘይኮነ ይንገር።
ኸ ኣልͶዚራ ጋዜጠይና ካቶሊካዊት ኣቡ ኣክለህ ሽሪን፣ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ፍልስጤማውያን ጋዜጠይናታት ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ጸብጻብ ተመሓላልፍ ዝነበረት፣ “ኣብ ልቢ ህዝቢ ፍልስጤም ዝወሰጠት” እንክብል ሓዋ ኣንቶን ኣቡ ኣክለህ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ሓቢሩ፣ “ድምጺ ፍልጥኤም፣ ድምጺ ውጹዕ ሕዝቢ ቅድስቲ መሬት” እንክብል ይገልጻ።
ጻዕርታት ፍትሒ
ኣንቶን ኣቡ ኣክለህ ኣብ ዝኽሪ ሰለስተ ዓመት መቕተልቲ ሓፍቱ ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት - ብዛዕብ እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዕለት 11 ግንቦት - ዝተቐትለት ሓፍቱ ዝምልከት ንሱን መላእ ስድራ ቤታ እውን "ብወገን እስራኤል ዝተኻየደ መርመራን ዝተዋህቦ መደምደምታን” ዘይቅቡል እንክብሉ ከም ዝነጸግዎ የረጋግጽ።
ኣብቲ ዝተቐተለትሉ እዋን፣ ሓብቱ 'ፕረስ' ዝብል ጋዜጠይና ምዃና ዝገልጽ ቃል ብንጹር ዝተጻሕፈ ሰማያዊ ዝሕብሩ ጥይት ዘይኣትዎ ጅለ ተኸዲና ከም ዝነበረትን ሰራዊት እስራኤል ነዚ እናረኣየ ብፍላጥ “ዕላማ” ገይሩ ከም ዝቐተላ ዝኣምን ምዃኑ ገሊጹ፣
"ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝኾነ ሓቅታት ይኹን ውጽኢት መርመራ ኣየቕረቡልናን” ምስ በለ፣ ብትውልዲ ፍልስጤማዊት ሓፍቱ ኸ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ብምዃና ንክፍሊ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ መርመራ ኣመልኪቱ፣ እዚ ድማ "ነቶም ተሓተትቲ ኣለልዩ፣ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም" ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።
መርመራ ካብ ዝጅምር እነሆ ሰለስተ ዓመት ኮይኑ . . . ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ድማ ይወስድ ኣሎ” እንክብል ድማ ምረቱ ይገልጽ።
200 ጋዜጠኛታት ከም እተቐትሉ
ዘተዮ ብእተሰምየ ናጻ ማዕከን ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ወተሃደራት እስራኤል ኸ ሓፍቱ ኸ ገጻ ስእሊ ከም መለማመዲ ዕላማ ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ምዃኑ ኣመላኺቱ፣ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት እስራኤል ዘሎ “ኸ ዘይተሓታትነት ሃዋህው ኮኒኑ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ጋዜጠይናታት፣ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ ቓዛ ኣስታት 200 ጋዜጠይናታት ከም እተቐትሉን ገሊጹ ነዚ ተግባር እዚ ድማ “ህልቂት” እንክብል
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ድሕሪ ምምራጾም ንፈለማ እዋን ዕለት 12 ግንቦት ምስ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ኸ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ሓቂ ስለ ዝጸብጸቡን ሓቂ ስለ ዝሓበሩን ንሓደጋ ንዝተቓልዑን ዝተኣሰሩን ጋዜጠይናታት ቅርበትን ሓገዝን ቤተ ክርስቲያን ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ክፍትሑ ድማ ጸውዒት ኣቕሪቦም፣ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ንዸም ኣገዳስነት ሓሳብካ ኸ ምግላጽ ናጽነትን ኸ ሓበሬታን ሕትመትን ናጽነት ዘዘኻኽር ምዃኑ ገሊጾም፣ “ብሓቀይና ሓበሬታ ዝተሰነዩ ውልቀሰባት ጥራይ እዮም ነጻ ምርጫ ክገብሩ ዝኽእሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።