MAP

ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ 54 ሰባት ተቐቲሎም ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ 54 ሰባት ተቐቲሎም  (ANSA)

ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ 54 ሰባት ተቐቲሎም

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 54 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ኣብ ቤት ትምህርቲ ተዓቚቦም ዝነበሩ ምዃኖም ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ፋህሚ ኣልጀርጋዊ፡ ኣብ ልዕሊ ላህያ ካብ ዝፍጸም ከቢድ ደብዳብ እስራኤል ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝመዛበሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ስድራ ዝተዓቖቡሉ ከም ዝነበረን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተሃረመሉ እዋን ብውሕዱ 54 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ ይሕብሩ።

ብሓማስ ዝመሓደር በርገሳዊ ጉዳያት ምክልኻል ሓደጋ ቓዛ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ሬሳታት ካብቲ ፍርስራስ ከምዘውጽኡን - ብዙሓት ከም መነባብሮ ዝጥቀሙለን ዝነበራ ክልተ ክፍልታት እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ብሓዊ ከም ዝነደደን ብዙሓት በቲ ባርዕ ሓዊ ከም እተቓጸሉ እንክሕብር፣ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ንሓደ ማእከል ትእዛዝ ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ ቢሉ፣

ብፍሉይ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ጃባልያ መንበሪ ኣባይቲ ዒላማ ገይሩ ብዝፍጸሞ መጥቃዕቲ 19 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ናይዚ መጥቃዕቲ ምኽንያት ከም ዘየፍለጠ እውን ካብቲ ከባቢ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ መጥቃዕትታት ኣካል ናይቲ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ናይ እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ መጥቃዕቲ እዩ። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣንጻር እቶም “ሽበራውያን ትካላት” ዝበሎ ስርሒታት ኣብ መላእ እቲ ከባቢ መሰረት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት 200 ዕላማታት ከም ዝሃረመ ይሕብር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ካብ የመን ናብ እስራኤል ገጹ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ከም ዘፍሸለን ዝኾነ መጉዳእቲ እውን ከምዘየስዓበ ይንገር። ዓመጽቲ ሑቲ የመን ምስ ፍልስጤማውያን ብምትሕብባር ካብ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከም ዘካይዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዮርዳኖስን ኖርወይን ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባልን ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ዝሓትት ጻውዒት ከም ዘሐደሳን ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኣብ ኣማን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኖርወይ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ፡ ንኣህጉራዊ ሕግን ፍትሕን ዘለዋ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 May 2025, 16:31