MAP

እስራኤል ኣብ ዝተሓደሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ እገዳ ሰብኣዊ ቀረብ ቓዛ መጠነይና ለውጢ ትገብር እስራኤል ኣብ ዝተሓደሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ እገዳ ሰብኣዊ ቀረብ ቓዛ መጠነይና ለውጢ ትገብር  (AFP or licensors)

እስራኤል ኣብ ዝተሓደሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ እገዳ ሰብኣዊ ቀረብ ቓዛ መጠነይና ለውጢ ትገብር

እስራኤል፡ ኣብቲ ዝተኸበ መሬት ፍልስጤም ዘንበረቶም ንዓሰርተ ሰሙን ዝቐጸለ እገዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ንግዚኡ ብምልዓል ናብቲ ከባቢ መሰረታዊ ቀረብ መግቢ ክኣቱ ከም ዝፈቐደት ኣፍሊጣ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ኣብቲ ዝተኸበ መሬት ፍልስጤም ንዓሰርተ ሰሙን ዝቐጸለ ዘንበረቶም እገዳ ሰብኣዊ ቀረብ መግቢ ከም ዘልዓለት ከተፍልጥ እንኮላ፣ ዕለት 20 ግንቦት መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ እስራኤል "ንምሉእ" ወሽመጥ ቓዛ ክትቆጻጸሮ ምዃና ገሊጹ ከም ዝነበረን፡ እዚ ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሓማስ "ሰረገላ ጊዴዎን" ዝብል መጸውዕ ዝተዋህቦ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን ዝሃብዎ

ውሳኔ ኮይኑ፣ እዚ ዝሃቦ ውሳኔ ድማ እቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ መግቢ፣ ነዳዲን ቀረብ ሕክምናን ክልዕል ዝሓትት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ስዒቡ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ጉጅለታትን 2.1 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞ ምኹኑ ዝሃቦ መጠቐቕታን፣ ዝተዋደደ ቀረብ ውሕስነት መግቢ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣስታት 93 ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ካብ ቅልውላው ክሳብ ከቢድ ጥፋኣት ዘብጽሕ ስእነት መግቢ የጋጥሞ ኣሎ እንክብል ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንጹር ስእሊ ዘቕርብ መግለጺ፣ እስራኤል ነቲ ዘንበረቶ እገዳ ሰብኣዊ ቀረብ መግቢ ከተልዕል ከም ዘገዳዲ ይንገር።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 67 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ 361 ድማ ከም ዝቖሰሉ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝርከባ ሰለስተ መንግስታዊ ኣባይቲ ሕክምና ዘቕርብኦ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዘቋረጻን፣ ኣብ ቤት ላህያ ዝርከብ ኢንዶነዥያዊ ቤት ሕክምና ብታንክታት እስራኤል ከም ኣተኸብ ናይቲ ቤት ሕክምና ሰራሕተይናታት ከም ዝሓበሩን፣ እስራኤል ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ሓማስ ዒላማ ከም ዝተገበረት እኳ እንተገለጸት፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ግን መጠንቀቕታ ይኹን ናይ ውጹ መግለጺ ከም ዘየመሓላለፈት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ዶሃ ብዛዕባ ምፍታሕ ጅሆ ብዝምልከት ምስ ሓማስ ዝተኻየደ ዘይቀጥታዊ ዘተ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ዝድርኽ ተኽእሎ ክህልዎ ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት መራሔ መግንስቲ እስራኤል ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ካብ እስራኤል ዝወጸ ምንጪ ሓበሬታ ተወኪሱ የመላኽት።

ብመሰረት እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ጆሆ ካብ ዝሓዞም 251፣ እቶም 58 ኣብ ቓዛ ከም ዝርከቡን፣ ካብዚኦም እቶም 20 ብህይወት ከምዘለዉ ይእመን።

እስራኤል ዕለት 18 መጋቢት ወተሃደራዊ ስርሒታታ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ 3,193 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ 8,993 ድማ ከም ዝቆሰሉን፡ እዚ ድማ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ቓዛ ብጠቕላላ 53,339 ከም ዝተቐትሉ ይንገር።

21 May 2025, 16:21