MAP

ዸምለኻዊ ጥሜት ኣብ ሞንጎ ውግኣት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ክፍተት ምወላን ይዓቢ ኣሎ ዸምለኻዊ ጥሜት ኣብ ሞንጎ ውግኣት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ክፍተት ምወላን ይዓቢ ኣሎ  (AFP or licensors)

ዸምለኻዊ ጥሜት ኣብ ሞንጎ ውግኣት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ክፍተት ምወላን ይዓቢ ኣሎ

ጸብጻብ ዓለማዊ መርበብ ኣንጻር ቅልውላው መግቢ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዸም ቅልውላው ጥምየት ሓያል ወሰኽ ከምዘርኣየ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 295 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ዘይውሕስነት መግቢ የጋጥሞም ኣሎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ14 ሚልዮን ወሰኽ ከም ዘርኣየ ዘረጋግጽ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዸም ብዝሒ ብኸቢድ ጥምየት ዝሳቐዩ ሰባት ልዕሊ 295 ሚልዮን ከም ዝኾነን፣ ኣብ 2025 ዓ.ም.  ዸም ሓቆፍ መርበብ ኣንጻር ቅልውላው መግቢ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ የእንከመላኽት፣ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ14 ሚልዮን ሰባት ዘሰክፍ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ብዓቢኡ ብግጭት፡ ምስ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዝተኣሳሰር ሓደጋታትን ቁጠባዊ ስግኣትን ዝድረኽ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ዘንጸባርቕ እዩ።

እዚ ርኽበታት ኣብ መላእ 65 ሃገራት ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ዝተኣከበ መረዳእታ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እተን 53 ሃገራት ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ወሳኒ ደረጃታት ሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ ይቃለሳ ከም ዘለዋ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ሕጹጽ እዋን ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኦረሊን ሜሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይውሕስነት መግቢ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣስሚሩ፡ "ካብ 2016 ዓ.ም. ጀሚረን ኣብ ቀጻሊ ቅልውላው መግቢ ዝርከባ 35 ሃገራት ኣለዋ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው መግቢ ህጹጽ ኩነታት ጌርካ ዝርአ ናይ ሓጺር ግዜ ሓገዝ ጥራይ ዝጠልብ ዘይኮነስ፣ ናይ ነዊሕ ግዜ፡ ብዙሕ ጽላታት ዝሓቖፈ ምላሽ ዝጠልብ እዩ - ንዓመታት ብዝቐርብ ዘሎ ትሑት ምወላ ህጹጽ ሕርሻዊ ቅላውላው ሓውሲካ።"

ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ብኣድማዒ መንገዲ ኣብ ዝተዋህበሉ ኩነታት ምስ ግዜ ኣብ ዝጭበጥ ውሕስነት መግቢ ምምሕያሽ ከምዝተራእየ ኣመልኪቱ። "እዚ’ዩ እቲ ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ፡ መፍትሒታት ኣሎ፡ ግን ቅኑዕ መንገዲ ምምራጽን ኣድላዪ ጸጋታት ምውፋይን እውን መሰረታዊ እዩ” ኢሉ።

ግርጭታት፡ ቀንዲ መንቀሊ ጥሜት

ካብ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ቀንዲ ጠንቂ ዘይውሕስነት ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰለስተ ምኽንያታት ኣለዉ፡ ማለት ግጭትን ዘይውሕስነትን፡ ጽንኩር ፍጻመታት ለውጢ ኩነታት ኣየር (መብዛሕትኡ ግዜ ብለውጢ ክሊማ ዝተጋደደ) ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ዝብሉ እያቶም እቲ ዝያዳ ኣዕናዊ ኮይኑ ዝቕጽክ ዘኪ ድማ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ እዩ ቢሉ፡ "ግጭትን ዘይውሕስነትን ነቶም ዝበዝሑ ቅልውላው መግቢ ዘጋጥሞም ዘሎ ዝጸልው ኮይኑ፣ ከም ኣብነት ሱዳን፡ ዓመጽን ዘይምርግጋእን ኣብ ባይታ ኣዕናዊ ኩነታት ዝፈጠረላ ዘሎ ሃይቲን ጠቒሱ፣ እቲ ኩነታት ብቁጠባዊ ረቛሒታት ዝጋደድ እውን ምዃኑ አማለኺቱ፣ ከም ለበዳ ኮቪድ - 19 ዝኣመሰሉን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ቀጻሊ ሳዕቤናቱን፡ ብፍላይ ኣብተን ትሑት እቶት ዘለወን ተኣፈፍትን ሃገራት ንዝገደደ ቅልውላው ቁጠባ ኣበርክቶ ከምዘለዎ የብርሁ።

ህጻናት ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ

ብተወሳኺ ብዛዕባ ምንካይ ሰብኣዊ ምወላ ስክፍታኡ ኣስሚዑ፡ ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘስዕቦ ኵለ መደያዊ ማህሰይቲ ከቢድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። "ገለ ካብተን ዝኸፍአ ቅልውላው ዘጋጥመን ሃገራት፡ ከም የመንን ኣፍጋኒስታንን ብሰንኪ ትጽቢት ዝግበረሉ ምጉዳል ምወላ ምኽንያት ጽንኩር ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ የጋጥመን ከምዘሎን፣ እዚ እንተድኣ ከምዘለዎ ቀጺሉ ንኣወሃህባ ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ኣዝዩ ዝዕንቅፍ እዩ ዝኸውን፡ እቲ ጸብጻብ ዝኸፍአን ዘሰንምብድን ቅልውላው ከጋጥም ከም ዝኽእል ዘሎ ስግኣት ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ ምንካይ ሰብኣዊ ስርሓት፡ ኣብቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝያዳ ምውሳኽ ጥሜት ከስዕብ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ዝተዋደደ ዓለማዊ ምላሽ ጻውዒት ግበር

ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን፡ ማሕበረሰብ ዸም ኣብ ምቅላስ ቅልውላው መግቢ ህጹጽን ነዊሕን ዝጸንሕ ደገፍ ከዕቢ ይላቦ። "እዞም ቅልውላዋት ዘይፍትሑ ኣይኮኑን" ዝበለ ሜሊን  "ትኽክለይና ካልእ ዝክረ ነገር ዘይብሉ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ማለት ብዛዕባ መግቢ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሕርሻ፡ ምርግጋእን ዘላቒ ወፍርን ዝቐርብ ምዕባለ ከም ዝህሉ ርኢና ኢና” እንክብል ዘከካየዶ ቃለ መሕትት ዛዚሙ።

19 May 2025, 15:49