MAP

ምሕዝነትን ተወፋይነትን ንሰላም ድሕሪ መዓት ኣብ ቅድስቲ መሬት ምሕዝነትን ተወፋይነትን ንሰላም ድሕሪ መዓት ኣብ ቅድስቲ መሬት  (@Vatican Media)

ምሕዝነትን ተወፋይነትን ንሰላም ድሕሪ መዓት ኣብ ቅድስቲ መሬት

ፍልስጥኤማዊ ዓዚዝ ኣቡ ሳራን እስራኤላዊ ማኦዝ ኢኖንን ደድሕሪ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮም መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 30 ግንቦት ዘካየድዎ ርክብ፣ ምስ ዜና ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ብሓቂ ናጻ ንምዃን ምሕረትን ይቕረታን ባይታ ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ይቕሬታ ክብል ዝመረጽኩሉ ምኽንያት፡ እቲ ይቕረ ዝበል ሰብ፡ ይቕረ ዝብል ኩሉ ሰብ ስለ ዝግብኦ ዘይኮነስ፡ ናተይ ምርጫ ስለ ዝኾነን እዩ፡ ነጻ ክኸውን ድማ ስለ ዝደሊ እዩ . . . ነዚ ዝበለ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝዓበየ ፍልስጤማዊ ኣሜሪካዊ ዓዚዝ ኣቡ ሳራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ. መሕትት ክኸውን እንከሎ፣ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እንከሎ 18 ዓመት ዝነበሮ ሓዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወሉ ህሞት ብምዝካር፡ ብዙሕ ተሳቕዩ ከም ዝሓለፈን እዚ ድማ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ሓደ ነገር ዝቕየር፡ መሪርን ሕርቃንን ሕነ ምፍዳይ ዘድልዮን ጉዳይ ኮይኑ ይስምዖ ከም ዝነበረ ዘኪሩ፣ "ሕነ ክትፈዲ ኣብ እትመርጸሉ እዋን፡ ጽልእን፡ ናይቲ ንሓውኻ ወይ ኣባላት ስድራ ቤትካን ዝቐተለ ሰብ ጊልያን ምዃን ኢኻ ትመረጽ። ነዚ ንምርዳእ ድማ ሸሞንተ ዓመት ወሲዱለይ። ኣነ ናይቲ ንሓውይ ዝቐተሎ ሰብ ጊልያ እየ ነይረ . . .  በዚ ድማ ድሕሪ ደጊም መእቕተልቲ ሓዉ ንህይወተይ ክቆጻጸሮ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ንሰላም ክሰርሕ ወሲነ። ነዚ ማዕረ ማዕሪኡ ምስቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ሓማስ ብዝፈጸሞ መዓታዊ መጥቃዕቲ ስድራኡን ብዙሓት ኣዕሩኽቱን ዝተቐተለዎ እስራኤላዊ ማኦዝ ኢኖን ብሓባር ኮይኑ ዝወሰዶ ስጉምት እውን ምዃኑ የዘካኽር።

ክልቲኦም ሰብ ሞያ ስነ በጻሕትን መስህቦን ጉዳያት፣ ሓባራዊ ኣበ መናብርት ናይቲ ንሰላም ዝሰርሕ -እተሰምየ ናይ ዘቖምዎ ትካል፣ ክልቲኦም ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ጉዕዞኦም ንቕድሚት ዝጥምቱ ኮይኖም፡ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብቲ ዞባ ምሉእ ብምሉ ሰላም ንምርግጋጽ ዝኣመተ ሸቶ ሒዞምን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈላለዩ መደባት ሰላም የሳልጡ ከም ዘለዉ ይሕብሩ።

ውፉይ ኣገልግሎት ኣባ ፋልጣስ ኣብ ቅድስቲ መሬት

ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ምኽትል ዓቃቤ ኣብቲ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ከም ዝሓበሩን፣ ኣባ ፋልጣስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንምርግጋጽ ብተወፋይነት ዝሰርሑን ዕዙዝ ውጥናት ሰላም ዘካይዱ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ ሰላም ብመጋበርያ ሰላም ጥራሕ እያ እትብጻሕ” ኢሎም።

ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ዓመታት ሰላም ምሉእ ብምሉእ ምርግጋጽ

ኣብቲ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ዓዚዝን ማኦዝን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝተፈጸመ ዘጋጠም ራዕዲ ዝፈጠረሎም ውልቃዊ ተመክሮታት ብኸመይ ከም ዝቐረጾም ገሊጾም፣ ብፍሉይ መንገዲ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ዕለት 30 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዝገበርዎ ርክብ ዘኪሮም፣ ዓዚዝ ይቕረ ክብል ምስ መረጸ፡ ምስ እስራኤላውያን ከመይ ጌሩ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ ብምዝካር፡ "ኣብ ሓደ ዓይነት ክብርታት ማዕርነት፡ ናይ ፍትሒ፡ ናይ ሰላም፡ ናይ ብሓባር ምስራሕ እንተተሰማሚዕና ተጻረርቲ ወገን ኣይኮና ማለት እዩ። ኣብቶም ክብርታት እንተተሰማሚዕና፡ ጸላእቲ ኣይኮናን ማለት'ዩ" ይብል።

ኣብቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ወለዱ ዝሰኣነ እስራኤላዊ ማኦዝ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ማኦዝ ካብ ዶብ ቓዛ ሓደ ማይል ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣይሁዳዊ እስራኤላዊ ማሕበረሰብ ኣብ ንእሽቶ ኪቡትዝ  ከምዝተወልደን፡ ኣብቲ ቦታ ድማ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ሓማስ ወለዱ ከም ዝሰኣነ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ ማኦዝ ብድሕሪኡ፡ ዋላ’ኳ ሓዘኑ መሪር እንተነበረ፣ ኣብ መንጎ ዘይተኣደነ ንብዓት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ምስኡን ዝነብዕ ሰብኣውነት ምህላዉ ዘረጋግጽ ራእይ ኣብ ውሽጡ ከም እተሰመዖን . . . እዚ ንምእማኑ ዘጸግም ራእይ . . .  "ንብዓትና ነቲ ቁስሊ ፈዊሱ፡ ዝተቓጸለ ሰብኣውነትና ፈዊሱን ኣሕውዩናን እዩ። ንብዓትና ከጻሊ ብምዃኑ ድማ ናብ መሬት ይበጽሕ ኣሎ። ነቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዘጋጠመ ናይ ነዊሕ ግጭት ደም ክሓጽብ ጀሚሩ ኣሎ። ንብዓትና ነታ መሬት ብምንጻሕ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ክንርኢ ይገብር ኣሎ . . . ኣብዚ መገዲ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ዝጓዕዘሉ እዋን ድማ ምስ ዓዚዝ ዕርክነት ከም ዝፈጠረን ሓቢሩ፡ “ሎሚ ክልቴና መሻርኽቲ ጥራይ ኣይኮናን ኣሕዋት ኢና። ፍትሕን ሰላምን ዝስዕቡ ኣሕዋት" ኢና።

'ማኦዝ ንሕጻናት ቓዛ ይበኪ

ይኹን እምበር፡ ዓዚዝ ክርስዖ ዘይክእል ነገር እንተሃልዩ፡ "ንመጀመርታ ግዜ ተራኺብና ክንዘራረብ እንኮለና ዝበለኒ ቀዳሞት ቃላት፣ ንወለደይ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝነብዕ ዘለኹ፡ ንሕጻናት ቓዛ እውን እየ ዝበኪ ዘለኹ" ዝብላ ምዃነን ገሊጹ። "ንዓይ፡ እዚ ኣዝዩ ብርቱዕ መልእኽቲ እዩ ነይሩ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንድዚ ዝኣክል ከቢድ ቃንዛ ኣናሃለወ ብዛዕባ ቃንዛ ካልኦት ክሓስብ፣ መብዛሕቲኡ ሰብ ዝገብሮ ኣይኮነን . . . ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ዓዚዝ ይብል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ ብድሕሪ እዚ ብሓባር ክንገብሮ እንኽእልን ዝግብኣናን ብዙሕ ነገር ምህላዉ ተሰቆረኒ። ሎሚ "ናይ ገዛእ ርእስና ቃንዛ ንርኢ"፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ናይ ካልኦት ቃንዛ ዘይንርእይ ንኸውን፣ ሰፊሕ ስእነት ርህራሄ፡ ምርድዳእን ሓልዮትን" ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኢና ዘሎና። "እስራኤላዊ ማኦዝ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ መዓት ቅድሚ ዝኾነ ይኹን እስራኤላዊ ዝረኣየ” እንክብል ዓዚዝ ይገልጾ።

ሓሙሽተ ደረጃታት ዘለዎ ውጥን

ማኦዝ እውን ብወገኑ ኣብ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት፣ ኣብ 2030 ዓ.ም. ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ሰላም ንምርግጋጽ ዝብል ናይቲ ምስ ዓዚዝ ኮይኑ ዘቖሞ ትካል ተዋሳእነት መደብ ገሊጹ።

"እዚ ተልእኾና እዩ፣ እዚ መደብ ንኸነዐውት ዘብቅዓና ሓምሽተ ደረጃታት ዘጠቓለለ እዩ። ብመጀመርታ "ብዛዕባ ሰላም ብሓባር ክንሓልም ኣለና ዝብል . . . ካልኣይ፡ ኣስዒቡ፡ ናይ ሓባር ክብርታትና ፍትሒ፡ ይቕሬታ፡ ዕርቂ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ዝብሉ ክንነብር ኣሎና። ሳልሳይ፡ “ንሰላም ዘተኣማምን ጥምረት ክንፈጥር ኣሎና - ቢሉ - ኣተሓሒዙ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ጎስጓስ ሰላም ዝገብሮ ደገፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ” ምስ በለ፥ ራብዓይ ክልቲኦም ብሓባር ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ነቲ መደብ ኣብ ምርግጋጽ ዝመርሕ ምርሓ መገዲ ከም ዝሓንጸጹን ሓምሻይ ነቲ መርሓ መገዲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል ምዃኑ የብርህ።

ኣብቲ ካብ ዕለት 8 - 9 ግንቦት ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዋዕላ ሰላም ጠቒሱ ንሰላም ዝሰርሕዎ ስራሕ ብምዝካር፡ "ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላም ልዕሊ 8,000 እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ክሳተፉ ከም ዝገበሩን፡ ብመሰረቱ ኣብ ቓዛን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዝፍጸም ዘሎ መዓትን ዝፈጥሮ ዘሎ ራዕድን ምኽንያት እናነባዕና፤ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙን እሱራትን፡ ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑ እናጸዋዕና፤ ኣብ መንጎና ናይ ሓባር መጻኢ ብምሕሳብን ዝድረኽ ሓድሽ ክውንነት ኣቕሪብና ኢና” ኢሉ።

ዓዚዝ ይብል። "ኣብዚ ኩነታት እዚ . . . ብዘይተጸበናዮ መጠን፡ ነገራት ኩሉ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ . . . ምስቲ ፖለቲከይናታት መብዛሕትኡ ግዜ "ነቲ ግጭት ብግቡእ ምምሕዳር . . . ስዒቡ ምርግጋእ ክህሉ ኢዩ ዝብል ዘለዎም ኣረኣእያ ዘይሰማምዕሉ ምዃኑ ገሊጹ፣ ከም ምጕዳል ፍትሒ ስርዓታዊ ምጕዳል ፍትሒ መሬት ምምንዛዕን ኣብ ዝህልወሉ ዅነታት ምስ እትኣቱ እቲ ኵነታት ከም ቀደሙ ኣይቅጽልን ኢዩ” ስለዚ ምርግጋእ ካብ ሰላምን ፍትሕ እምበር ካብ ብግቡእ ምሕደራ ውግእ ኣይኮነን” ይብል።

ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰልፊ ንሰላም ኣብ ኢየሩሳሌም

"እዚ ስለዝኾነ ኢና ኣበርቲዕና ንሰርሕ ዘለና" እንክብል ማኦዝ ኣስተብሂሉ፡ ከምዚ እንተደኣ ዘይኮይኑ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ክንኹንኖም ኢና" እንክብል የጠንቅቕ። ስለዚ "እዚ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን . . . በዚ እምነት እዚ እምበኣር ንሰላም ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምንቕቓሕ ዝጅምር ለውጢ ንምልዕዓል ይዋስኡ ኣለዉ።

InterAct- ተዋሳእነት ዝበሃል ዘቖምዎ ትካል ንፍትሕን ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ዝዓዪ እዩ ብጀካ ሰላማዊ ሰልፊ ንሰላም ኣብ ወርሒ መስከረም ዕለት 21"፣ " "ኣነን ማኦዝን በቲ ዘቖምናዮ ትካል ኣቢልና ኣብ 21 መስከረም ድማ፡ ንጉጅለ ውድባት መሪሕና ሓደ ካብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝብገስ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ምዕራብ ኢየሩሳሌም ዝግበስን ክልቲኦም ኣብ ሃህጉራዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ማእከል ኢየሩሳሌም ክራኸቡ ዝግበር መደብ ጉዕዞ ሰላም ኣዳሊና ኣሎና” እንክብል ኣፍሊጡ።

ዸም ለኸ መዓልቲ ሰላምን ኣርእስተ ሊቃነጳጳሳት ንሰላም

21 መስከረም ኣብ 1981 ዓ.ም. ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ዘኪሩ። ድሕሪ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ 2001 ዓ.ም. ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ነታ መዓልቲ ዘይጎነጻውን ተኹሲ ደው ምባልን እትፍጽመሉ እዋን ክትከውን ብዝብል ዕላማ ብምልኣተ ጉባኤ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ከም ዝኾነን ኣዘካኺሩ እዚ ጭቡጥ ጻዕሪ እዚ፣ መንግስታት ኣብ መንጎና ዝፈጠርዎ ምፍልላይ ደው ክብል ኣለዎ ንምባልን" ከምኡ'ውን "እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ጥራይ ዘይኮኑስ ኣሽሓት ሰባት ምሳና ኣብ ጻውዒት ሰላምን ሰላማዊ ሰፍልን ክሓብሩ ንደሊ። ኩሉ ኣብዚ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ዝሰማማዕ ዘበለ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኢየሩሳሌም ክመጽእ ኣብቲ ሰላም ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክሓብር ንደሊ" እንክብል ዓዚዝ ሓቢሩ፣ ዓዚዝን ማኦዝን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ርክባት ብፍቕሪ ዘኪሮሞ፣ ማኦዝ "ንዓይ" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነብዪ እዮም ነይሮም" ብምባል ንዘተን ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ዝሃብዎ ቃል ይዝክር። "ሕጂ ድማ ምስ መሪሕነትን መምርሕን ደገፍን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብሓባር ናብ ምድሪ ተስፋ ክንኣቱ ኢና፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ድማ ሰላም ከነምጽእ ኢና" ኢሎም።

31 May 2025, 17:11