MAP

ርእሰ ብሔር ኤኳዶር ኖቦኣ ሓድሽ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣን ይጅምር ርእሰ ብሔር ኤኳዶር ኖቦኣ ሓድሽ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣን ይጅምር  (ANSA)

ርእሰ ብሔር ኤኳዶር ኖቦኣ ሓድሽ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣን ይጅምር

ዳግማይ ዝተመርጸ ናይ ኤኳዶር ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኖቦኣ ደጊሙ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዘበገሶ ናይ ገበን ጉጅለታትን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንምቅላስ ዘበገሶ መርሓ ግብርን መምርሕታትን ኣበርቲዑ ክቕጽል ምዃኑ የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወዲ ሳላሳን ሸውዓተ ዓመት ርእሰ ብሔር ኤኳዶር ዳኒኤል ኖቦኣን ብኽልተ ዓመት ጥራይ እትዓብዮ ምኽትሉ ማርያ ኾሰ ፒንቶን፡ ጽዑቓት ብድሆታትን ብዙሕ ዕማማትን ይጽበዮ ኣሎ። ኖቦኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቶ ዳግምይ ርእሰ ብሔር ንኽኸውን ምስ ተሓርየ ናይ ካልኣ ዙር ብወግዒ ናይ ስልጣን ዘመኑ ንምጅማር ቃለ ማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ ስነ ስርዓት ዘስምዖ መደረ፣ ንውሽጣውን ኣህጉራውን ወፍሪ ምትብባዕ፡ ምቅላስ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን፡ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ክድግፍ ቃል ኣትዩ፣ ንሱ ብተስፋን ዕላማን "ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ምሕራዩ ዝተሰምዖ ሓጎስ እውን ገሊጹ፣ ዝጽበዮ ብድሆታት ብምስትውዓል ኣብ ምዕራፍ ዕብየት ኢና ዘሎና ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ናይ ኤኳዶር ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒ የመላክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢኳዶር ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ቅትለት ተፈጺሙ፤ ከምኡ’ውን ትሕቲ ፍርቂ ህዝቢ ጥራሕ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ዘለዎ ከም ዝኾነን፣ ነቲ ዘሎ ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ንኽኣልይ ዝከኣሎ ኩሉ ክግበር ምዃኑ ኣረጋግጊጹ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ ማሕላ፡ ናይ ኮሎምብያ ርእሰ ብሔር ጉስታቮ ፔትሮ፣ ርእሰ ብሔር ፔሩ ዲና ቦሉርቴን ሚኒስትር ጉዳያት ጥዕና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥዕና ሮበርቶ ኬነዲን ከም እተረኽቡ ምንጭታት ሓበሬታ ኤኳዶር ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

27 May 2025, 16:31