ንደቂ ሃይቲ እንታይ እዩ ዘጋጥሞም ዘሎ?
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ንዸምና ዝውሕጥ ዘሎ ፍንፉን ዓመጽ፡ ውድቀት ማሕበረሰብ ዸም ዘርእይን ብስቕታ ምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሃን ከይትታለል ዝዕድም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ገለ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዸም እንታይ ይፍጸም ኣሎ ኢልና ንነብስና ክንሓትት ዝድርኽ እዩ - ቢላ - ሎሚ እቲ ሕቶ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃይቲ እንታይ እዩ ዝፍጸም ዘሎ ዝብል እዩ . . . ትብል።
ካብ ትኹረት መራኸቢ ብዙሓን ወጻኢ
እቲ መልሲ ዘሕዝን እዩ፣ እቶም ትርኢታት ኣቡቀለምሲሳውያን እያቶም። ንከተማታት ሃይቲ ዓማጽያን ዕጡቓት ጕጅለታት ይመርሑ ኣለዉ፣ እታ ሃገር ድማ ናብ ጽንኩር ድኽነት ትሽመም ኣላ። ወለዲ ንደቆም ክምግቡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑን ንሳቶም ድማ ብግዲኦም ናብቶም ገንዘብን ድሕነትን ዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ናብ ዝኣትዉ ዓማጽያን ጕጅለታት ይጽንበሩ ከም ዘለዉን። ኣዴታት ንደቀን ንኣዋርሕ ከም ዘይረኣያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሞይቶም ድዮም ብህይወት ከም ዘለዉ ርግጸይናታት ኣብ ዘይኮናሉ ደረጃ እውን በጺሐን ኣለዋ።
ናይቲ Confiance - ምትእምማን እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ትካል ኣደ መንበር ኣነ ማሪ "ምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሃን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ዝያዳ ቅጽበታዊ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ርክብ ምስ ዘለወን ዞባታት እያተን ዘተኩራ" . . . እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብታ ካሪቢያዊት ሃገር ትምህርትን ተጻዋርነትን ንምድንፋዕ ደኺመ ኸይበለ ዝዓዪ ከም ዝኾነን፣ መራኸቢ ብዙሓን መሪጽካ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝብል ዝኽተሎ ኣገባብ ንሃይቲ ኣብ ዸም ሓቆፍ መድረክ ዕሽሽ ክትብሃልን ብዛዕባ ዓመጻ፣ ተስፋ ምቝራጽ፣ ከምኡውን ተስፋታታን ብዙሕ ጸብጻብ ዘየቕርባ ኮይነን ንበይና ክትሕደግ ይገብር ኣለዋ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ብህጹጽ ኣህጉራዊ ሓድነት ከም ዘድልያ ዘመላኽት እኳ እንተዀነ ኣብ በይናውነት ተጠንጢና ትርከብ ኣላ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንወለድን ንደቆምን ውሑስ መዕቆቢ ኮይነን ከም ዘለዋን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብያተ ትምህርቲ እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ መግቢ ከም ዘቕርባን ንቕድሚት እንተርኢና ድማ ንብሩህ መጻኢ ተስፋ ዝህባ እያተን እዚ ኹሉ ግን ዘይንገር ኮይኑ ኣሎ።
ናይ 15 ዓመት ኣገልግሎት
ኣነ ማሪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ካብቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ንሃይቲ ዘዕነወ ርእደ መሬት ጀሚሩ እቲ Confiance - ምትእምማን እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ . . . ንሃይትያውያን ሓለዋ ኣብ ምርግጋጽ ብቐዳምነት ክዓያ ከም ዝጸንሐን፣ “ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ኣብ ህንጸትን ኣመሓዳድራ ኣብያተ ትምህርቲ ኣተኲሩ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሃይቲያውያን ክእለት ርእሰ - ብቕዓት ከጥርዩ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ኣብ ምርግጋጽ ዝተዋፈረ እዩ - ቢላ - እተን ካብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ንሰሜን ገጸን ቁሩብ ርሒቐን ዝርከባ ክልተ ቀንዲ ኣብያተ ትምህርቲ ናይቲ ማሕበር፣ ነዚ ስነ - ምግባር ዘንጸባርቓ ከም ዝኾና ሓቢራ፣ እቲ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ መዋዓሊ ህጻናትን መባእታዊ ትምህርትን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝምልከት እዩ።
ስራሕ Confiance - ምትእምማን ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ማሕበር ካብ ናይ መደብ ትምህርቲ ክንየው ዝብል ኮይኑ፣ ሞያዊ ስልጠና ዘቕርብን ንተማሃሮ ኣብ ግብራዊ ክእለት ዘዕጥቕን እዩ። መደባት ሕንጸት ሕርሻ ብደገፍ ልኡከ መግንስቲ ፈረንሳ ዘቕርብ ኮይኑ፣ ጸጋታት ኣብ ዝሓጽረሉ ዞባ፡ እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ድሌታት እውን ከይተረፈ ልዕሊ ዓቕሙ እውን ኣንተኾነ፣ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ኣሎ . . . እቶም ሞያዊ መደባት ኣገዳሲ ስልጠና ዝህቡ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንናይቲ ከባቢ ኣባይቲ ስድራ መነባብሮ ንምውሓስ ዝሕግዝ እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ስም ናይቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝሕብሮ፣ ኣብቲ ሰፊሕ ዕላማ ምሕያል ማሕበረሰብ - ወይ ርእሰ ተኣማንነት ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ ትሕብር።
ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃይቲ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓመጽ ሃዋህው፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ ተነቃፊ ምዕባለ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ኣብ ሃይቲ ንህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆ መወዳእታ የብሉን። ብዙሓት ግዳያት ዓመጽ ኮይኖም፡ ካልኦት ማእለያ ዘይብሎም ድማ ካብ ዝተበታተና ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ ወይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዘኽታማት ዝኾኑ እያቶም ትብል።
ኩነታት ሕጊ ኣልቦነት
ናይ ዓመጽ ጕጅለታት ብዘስዕብዎ ጸቕጥን ዓመጽን ብፍላይ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፣ ኣባይቲ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ክኾና ዘገድድ ከም ዝኾነን፣ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ ውን ናብ ስራሕ ዝስድዱ ምስ ዝኾኑ ህይወቶም ንሓደጋ እዮም ዘቃልዑ፡ ስለዚ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምታዊ ድማ ኣብ ኩነታት ኣልቦነት ሕጊ ኢና እንርከብ . . . ሰለዚ ብዛዕባ ዕለታዊ ናብራ ዘይኮነስ እቲ ዓቢይ ሕቶ ብዛዕባ ብህይወት ምንባር ዝምልከት እዩ” ትብል።
እቲ ኩነታት መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ድማ ሓቢራ፣ ኣባይቲ ትምህርቲ ይዕጸዋ ኣለዋ . . . ምኽንያት ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ንብዙሓት ሓደገይና ጉዕዞ ሰለ ዝኾነ ብዘይ ተመሃሮ ስለ ዝተርፋ እዩ - ቢላ - መጓዓዝያ ውሑስ ስለዘይኮነ ህጻናት ናብቲ ዝመሃሩሉ ቦታ ንምብጻሕ ነዊሕ ርሕቀት ብእግሮም ንኽጓዓዙ ስለ ዝግደዱ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ማእለያ ንዘይብሉ ሓደጋ ስለ ዝቃልዑ እውን እዩ። ኣብ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ጥራይ ልዕሊ 2.700 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ፡ ኣብታ ከተማ ድማ ዝበዝሑ ህጻናት ብዘይ ዝኾነ ወግዓዊ ትምህርቲ ይዓብዩ ኣለዉ፣ ናይዚ ሳዕቤን ድማ ንርሑቕ ዝኸይድ ከም ዝኸውን ንጹር እዩ፣ ገለ ቈልዑ ካብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ፣ ግዜ እናሓለፈ ምስ ዝኸይድ ድማ፡ እቲ ብሩህ መጻኢ ዝብል መብጽዓ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ርሑቕ ይኸውን፣ "ብዘይ ትምህርቲ ህጻናት ንዕጡቓት ጉጅለታት ብቐሊሉ ተቓላዕቲ እዮም ዝኾኑ . . .።
እቶም ዝግደሱ
ኣብ ሞንጎ እቲ ራዕዲ ግን ገና ድልድል ንምዃን ዝቖረጹን ንሓደጋታት ዝወስዱ መገድታትን ንኽጠፍኡ ነቶም ኣዝዮም ዝተሸገሩ ሰባት ኣብቲ ዝርከቡሉ ኮይኖም ዘገልግሉ ሰባት ኣለዉ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ንምእማኑ ዘጸግም ጽንዓት ናይቲ ከባቢ መምህራንን ዘገልግልዎ ማሕበረሰባትን ንኢዳ - "ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዘለዉ መምህራን ብሓቂ ሰማእታት እያቶም፣ ዋላ'ኳ ብድሆታት እንተሃለዎም ውፉያት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ስምዒት ምርግጋእ ክዕቅቡን ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ትምህርቲ ምሃብ ክቕጽሉን ክኢሎም እዮም . . . ካብኣቶም ብዙሓት ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ይርከብዎም። "ቤተክርስትያን ኣገዳሲት እያ። ኣብ ባይታ ትርከብ፣ መንፈሳዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትምህርቲ፣ ክንክን ጥዕናን ቀረብ መግብን እውን ግብራዊ ሓገዝ ተቕርብ እያ። ቤተክርስትያን ዋላ ኣብቲ ዝጸልመተ እዋን እውን ናይ ማሕበረሰብ ተስፋን ስምዒት ተዕቢ" ምስ በለት ኣስዒባ፣ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ኣብ ሃይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሓላፊ ምዃኑ እኳ እንተኣመነት፣ ብፍላይ ካብ ኤውሮጳውያን ለገስቲን ክርስትያናዊ ትካላትን ቅኑዕን ርጉእን ደገፍ ከምዘድሊ ኣስሚራ፣ "ሃይቲ ኣብ በይናውነት ንኸይትተርፍ በርገሳዊ ማሕበረሰብ የድልያ። ስጉምቲ እንተዘይወሲድና እቲ ኩነታት እናገደደ ጥራይ እዩ ዝኸይድ፡ እዚ ድማ ናብ ጃምላዊ ስደትን ሰፊሕ ድኽነትን እዩ ዝመርሕ" ቢላ ተጠንቅቕ።
ተስፋ ደቂ ሃይቲ
እዚ ኩሉ እናሃለወ ተስፋ ኣሎ። ሃይቲውያን ኣብ ቅድሚ ጸገማት "ንምእማኑ ብዘጸግም ፈጠራን መሃዝትን" ዘደንቕ ጽንዓት ኣርእዮም እዮም የርእዩ እውን ኣለዉ። "ፍታሕ ይረኽቡን ምስ ኩነታቶም ይተዓጻጸፉን" ክትብል ትገልጽ። ኣብ ዕለታዊ ቃልሶም፡ ንቕድሚት ዝድርኾም ቀጻሊ ተስፋ ኣሎ። ንብዙሓት፡ ህላወ . . . ምሕላፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ህሉው ዝሓሸ መጻኢ ምሕሳብ እዩ - ኣብ መንገዶም ዘሎ ዕንቅፋታት ብዘየገድስ መጻኢኦም ኣብ ምህናጽ ዝቖረጹ እያቶም . . . ኣገዳስነት ተስፋ ኣብ ሃይቲ ልዕሊ ዓቐንን ክግለጽ ዘይከኣልን እዩ። ተስፋ ንማሕበረሰባት ኣብ ሓደ ዝኣስሮም፡ ነቲ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ክደፍኡ ዘኽእሎም ባይታ እዩ። ከምቲ በርሊየር ዝብለቶ፣ “ተስፋ ንዝሓሸ ህይወት ንምቅላስ ቀመም እዩ”። ዋላ እኳ ፍርሕን ዓመጽን ልዕሊ ዓቕምን ብድሆታት እንተሃለወ፡ ሃይቲያውያን ንነብሶምን ንደቆምን ዝሓሸ ነገር ንምምጻእ ጻዕርታቶም ይቕጽሉ ኣለዉ። እንተ እቲ ዝተረፈ ዸም ግን “ሃይቲን ህዝባን ከይርስዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ቢላ ዝሃበቶ መግለጺ ትዛዝም።