MAP

ኣብ ቓዛ ኣማኢት ሰባት ኣብ ዝቐተልሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣብ ቓዛ ኣማኢት ሰባት ኣብ ዝቐተልሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ዘተ 

ኣብ ቓዛ ኣማኢት ሰባት ኣብ ዝቐተልሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ዘተ

እስራኤል ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ድሕሪ እቲ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ ስዒቡ ጽዑቕ ንመላእ ቓዛ ዝሽፍን ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዘበገሰት ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ሓድሽ ተኹሲ ደው ናብ ዝብል ስምምዕ ንኽብጻሕ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልም ኣብ ዶሓ - ቀጠር ዘተ ኣብ ዝክየደሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል፣ "ሰገረላታት ጊዴዎን" ብዝብል መጸውዕ ሰፊሕን ጽዑቕን ስርሒት ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ሓማስ ዕለት 18 ግንቦት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ሓድሽ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣረጋጊጹ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዘይ "ቅድመ ኩነት" ኣብ ኩሉ ጉዳያት ይዛተዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡ እቲ ዘተ ዕዉት ንኽኸውን ኩሉ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሎ፡ ከቀራርብ ዝኽእል ሕድገታት ኣይቀረበን” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ዘተ፡ እስራኤል ኣብ ገለ ከባቢታት ውሽመጥ ቓዛ "ስርሒታዊ ምቁጽጻር" ጎስጓስ ኣብ እተገብረሉን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዓቢይ ሓይሊ ስርሒታታ ኣብ እተስፍሓሉ ዘላ እዋን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ እዚ ብርቱዕ መጥቃዕትን ደብዳብን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ነቲ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ንቓዛ ዝገዝእ ዝነበረ ዕጡቕ ጉጅለ ንምጥፋእ ዝዓለመ እዩ እንክብል ገሊጹ ከም ዝነበረን፣ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጸቕጢ እስራኤል ክብ ንምባል ዝዓለመ እዩ ዝብል ርእይቶ ይወሃቦ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።  

"ስርሒት ጊዴዎን ሰረገላታት" እውን ድሕሪ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ እስራኤል ዘየጠቓልል ናብ ማከላይ ምብራቕ ዝገበሮ ዑደት መሰረት፣ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹስን ንቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግማይ ናይ ምቕራብ ዕድል ዘተባብዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ዝተገብረሉ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ፡ እስራኤል ዕለት 18 መጋቢት ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ምኽባር ካብ እተቋርጽ ንደሓር ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።

19 May 2025, 15:51