ካልኣይ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ኣብ ዸም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገረ ሱዳን ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ እትኣቱ ዕለት 15 ሚያዝያ ካልኣይ ዓመት ተቑጽር ኣላ፣ ኣብ ዸም እቲ ዝዓበየን ዘሕዝንን ኣዕናውን ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ካላይ ዓመቱ የቑጽር እውን እተሃለወ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተረስዐ ግጭት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት ዕለት 13 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጊሞም እቲ ዓመጽ ደው ክብልን ማሕበረሰብ ዸም ንዝተጸገሙ ሰባት ኣገዳሲ ሓገዝ ክቕርብን ብኣጽንዖት ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም፣ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ዝካየድ ዘሎ ግጭት 51 ሚልዮን ሱዳናውያን ይጸልው ምህላዉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝቐተለን፣ ጥሜትን ስእነት መግብን እናስፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ 13 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መነባብሮኦም ከም እተመዛበሉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መጥቃዕቲ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ከም እተጠናኸረን እዚ እውን ኣብታ ሃገር ዓመጽ የንግስ ምህላዉ እንክንገር፣ ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዛምዛም፡ ኣቡ ሹክ ኣልፋሸር ብነፈርትን ምድርን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለን፣ ኣብ ሱዳን ወኪልን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ሕቡራት ሃገራት ክለመንታይን ንክዌታ - ሳላሚ፣ “ልዕሊ 20 ህጻናትን ብውሕዱ ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ንምሕጋዝ ካብ ዝተዋፈሩ ትሽዓተ ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 100 ሰባትን ከም እተቐትሉ ተረጋግጽ።
ርኢና ከም ዘይረኣና ኴይንና ክንቅጽል ዝከኣል ኣይኮነን
ኣብዚ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ኩናት ሓድሕድ ሱዳን፣ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንኸብቅዕ ቅድሚ እቲ ኣብ ሎንደን ዝተጸወዓ ዓውደ ኣኼባ ምጅማሩ፣ መራሕቲ ሃይማኖታዊ መርበባትን ውድባትን ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዅነታት ዘስካሕክሕ እንክብሉ ገሊጾም፣ ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ጽኑዕ ውሳኔ እንተ ዘይተገይሩ እቲ ግጭት እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ" ቢሎም፣ ኣተሓሒዞም ዸምለኻዊ ማሕበረሰብ ስጕምቲ ንኽወስድ ጻዋዒት ኣቕሪቦም - "ንሱዳን ዕሽሽ ክንብላ ኣይንኽእልን ኢና፣ ነቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ናይ ዘተ መድርኽ ንምምጻእን ነቲ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ንኽርከቦ ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብካሪታስ ኢንተርናሽናልስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝሓቍፍን ቃል ኪዳናዊ ተግባርን ከምኡ እውን መሻርኽቲ ማሕበራት ግብረ ሰናይን ነቶም ኣብ ሱዳን ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ንምሕጋዝ ብዝተዋደደ ኣገባብ ከም ዝነጠፉን ሕመረት ናይቲ ብሓባር ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ንሰላማዊ ማሕበርሰብ ሱዳን ናይ ማሕበረሰብ ዸም ሓገዝ ከይፍለዮምን ናብ ሰላማዊ መነባብሮ ንኽምለሱ ዝሕግዞም መገዲ ክፍጠረሎምን ዝጠልብ እውን ምዃኑ የመላኽት።
ንመላእ ዞባ ዝጸልው ኲናት
እቲ ግጭት ንሚልዮናት ኣዕናዊ ቅልውላው ዝፈጥር እኳ እንተኾነ፣ ማዕከናት ዜና ብዙሕ ሽፋን ከም ዘይህባሉ ብካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ጓሂኡ ገሊጹ፣ ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ንቕሓት ምዕባይን ንሰላም ምጉስጓስን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣስተብሂሉ፣ ብዘይ ሰላም፣ "ንህዝቢ ሱዳን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ዞባ እውን ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ዕንወት ዝመልኦ ኵነታት ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ፣ ሰላም ንኻልኦት ሃገራት እውን ወሳኒ እዩ። ኣስታት 4 ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን ካብቲ ዓመጽ ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም እተሰደ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ካብ ሱዳን ዝስደዱ ነቲ ኣብተን ዝኣትዉለን ሃገራት ጫድ ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ዘጋድዶ ምዃኑ ኣስተህቢሉ፣ በዚ ዘስካሕክሕ ቅልውላው ዝተሃስዩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት እቲ እንኮ መዋጽኦ፣ ማሕበረሰብ ዸም “ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ” ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ኣብ ምፍጻም እዩ - ቢሉ - እዚ ንብዙሓት ዘህልቕ ዘሎ፣ ንሕሱም ጥምየት ዝዳርግን ዘይንገረሉ ኩናት ሱዳን ዘወግድ ቁጽሪ ዝሞቱ ኣብ ምቕጻር ዘይኮነስ ውጅሂ ሰባት ኣብ ምርኣይ ጥራይ እዩ” ከም ዝብለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።