ዝርርብ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ መርሓ ግብሪ ኢራን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበን፣ ማዕከናት ዜና ኢራን፣ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝመጹ ልኡኻት ናብ ከተማ ኩስካት ከምዝኣተዉ ሓቢረን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራክቺ ንልኡኽ ቴህራን ክመርሕ እንከሎ፣ ንኣሜሪካ ዝውክል ልኡኽ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ክኸውን እንከሎ፣ ኢራን ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ድሮ ነቲ ዘተ ብጥርጣረ ክትቀርቦ ይገብራ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ኢራን ከም ዝገለጻ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ክልቲኦም ወገናት እቲ ዘተ ንቕድሚት ዝሰጉም ምዃኑ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹን፣ ከምቲ ትራምፕ ዝጠልቦ፣ ወይስ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከምቲ ኢራን እትመርጾ፣ እቲ ዘተ ፊት ንፊት ክካየድ ዝመርጽ ናይ ሓባር መርገጺ ዘየነጽር ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ኣብ ቓዛን ሊባኖስን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ብዝተገብረ ምልውዋጥ ሚሳያላትን፣ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብቕይሕ ባሕሪ ዝጓዓዛ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሶርያ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፣ ካብ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ወጥሪ እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎን፣ እቲ ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ክሌኣዊ ዘተ እንተድኣ ተዓዊቱ፣ ነቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረት ዝግ ከብሎ ከም ዝኽእል እንክሕበር፣ ንተድኣ ዘይተዓወተ ንዝሰፍሐ ግጭት ምኽንያት ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒስ እንከመኽት፣ ኢራን ወተሃደራዊ መደበራት ሕቡራት መንግስታት ዝርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ኣሜሪካ እንተድኣ ዝድግፋ ኮይነን፣ "ከቢድ ሳዕቤን" ከጋጥመ ከም ዝኽእል ድሮ ከም ዘጠንቀቐትን ይኹን እምበር፡ ኢራን ኣብ መደብ ተወንጫፊ ሚሳይል ሓዊሱ ብዛዕባ ዓቕምታት ምክልኻል ክትዝትይ ፍቓደይና ከም ዘይኮነት ድሮ ከም ዝሓበረትን፣ ቴህራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ድላይ ከም ዘይብላ እውን እንተፍለጠት፣ ምዕራባውያን ሃገራትን እስራኤልን ግን ብሕቡእ መደብ ምምዕባል ኣቶሚክ ቦምብ ተሳልጥ ኣላ ዝብል ጥርጣረታት ከም ዘለወን እዩ ዝንገር።