ደቡብ ሱዳን፥ ምቁራጽ ምወላ ኣህጉራዊ ሓገዝ፡ ህጻናት ብሕማም ሽሮኽ ንሞት ይቃልዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን 5 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 8 ሰባት ብዘጋጠሞም ሕማም ሽሮኽ ምኽንያት ሕክምናዊ ፍወሳ ንምርካብ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ከም ዝሞቱን
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣድሕን ህጻናት ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ምደባ ገንዘብ ሓገዛተን ዓሚቝ ምጉዳል ብምራዩ ዘጋጥም ኩለ መዳያዊ ጸገማት ብዝርዝር ከም ዘቕረበን፣ እቶም ዝሞቱ ህጻናትን ወለዶምን ካብ ምብራቕ እታ ሃገር ካብ ዝርከብ ርሑቕ ከባቢ ዞባ ኣኮቦ ዝመጹ ከም ዝነበሩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ከቢድ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ኣጋጢሙ ከም ዘሎን፣ ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይተረኽበ ድማ ናብ ምውሓድ ማይ ኣካላትን ሞትን ከብጽሕ እዩ፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኣኮቦ ካውንቲ ዝተራእየ ዘይተለምደ ብርቱዕ ዝናምን ውሕጅን ቁጽሪ ሕሙማት ሽሮኽ ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎን ካብቶም በዚ ሕማም ዝጠተቕዑ እቶም 44 ሚእታዊት ሕጻናት ዘጠቓልል ትሕቲ 17 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ከም ዝኾኑ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ኣድሕን ህጻናት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ውሕጅ ኩለ መዳያዊ ማህሰይቲ ከም ዘስዓበ እውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ ግጭትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብ 12 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዘመዛበልን፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ,ም. ብወግዒ ዝተሓበረ ለበዳ ሕማም ሽሮክ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 22 ሽሕ ሰባት ከም ዘጥቀዐ ኣህጉራዊ ትካል ኣድሕን ህጻናት ኣፍሊጡ፣ ክሳብ እዚ ዓመት፣ ብሕጸረት ዝተመጣጠነ መግብን ሽሮኽን ዝጥቅዑ ዜጋታት እታ ሃገር ነጻን ኣገዳስን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብማሕበራት ግብረ ሰናይ ካም ዝመሓድራ 27 ኑቕጣታት ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ሕክምና ይረኽቡ ከም ዝነበሩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ገሊጹ፣ ብሰንኪ ምቁራጽ ሓገዝ ወጻኢ ሃገራት፣ ብማሕብራት ግብረ ሰናይ ካብተን ዝመሓደራ ትካላት ክንክን ጥዕና ብዙሓት ክዕጸዋ ግዲ ከም ዝኾነን፣ ዝወሃብ ኣገልግሎት እውን ክቕንስ ይግደድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ትካል ኣድሕን ህጻናት ጠቒሱ እንከመላኽት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣመሓዳሪ ጨንፈር ኣህጉራዊ ትካል ኣድሕን ህጻናት ክሪስ ኒያማንዲ "እቲ ብዙሓት ህጻናት ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ውሳኔታት ሓያላት ሃገራት ዸም ለኻዊ ግብረ ገባዊ ቁጥዐ ከለዓዕል ይግባእ” ከም ዝበለ፣ ህጻናት ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋእን ከምዘድልዮምን፣ እቲ ትካል ምስቲ ምንካይ ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ኣብ ግምት ብምእታው ካልእ ተኻኣሊ መገድታት ከናዲ ይንቀሳቐስ ኣሎ ከም ዝበ ኣፍሊጡ።