እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ጋዜጠይናታት ይርከብዎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብቶም ዝተቐትሉ ሓደ ኣብ ቴሌቪዥን ፍልስጤም ቱደይ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠይና ዩሱፍ ኣል- ፋቃዊ ክኸውን እንከሎ፣ ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሽዱሽተ ጋዜጠይናታት ምዃኖምን ኣብ ጥቓ ቤት ሕክምና ናስር ዝርከብ ናይ ጋዜጠይናታት ዱካን ብሓዊ ከም ዝተቓጸለ ሰበስልጣን ፍልስጤም ሓቢሮም። ሰራዊት እስራኤል ንሓደ ኣባል ሓማስ ዒላማ ገይሩ ዝፈጸመ መጥቓዕቲ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ኣብ ቓዛ ሞት 15 ሰራሕተይናታት መጓዓዝያ ህሙማንን ረድኤትን ኣህጉራዊ መርመራ ክካየድ ከም ዝሓተተን፣ እቶም ሰራሕተይናታት ዕለት 23 መጋቢት ዝተቐትሉ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መጀመርታ እተን መጓዓዝያ ህሙማን ብዘይ መብራህቲ ወይ ብዘይ ንጹር ምልክት ሓደጋ ይንቀሳቐሳ ከም ዝነበራ እውን እንተሓበረ፣ ድሒሩ ዝቐረበ ናይ ምስሊ መርትዖታት ግን ምስቲ ናይ ሰራዊት እስራኤል መግለጺ ዝጋራጮ ምዃኑ ምንጭታት ሓበሬታ ፍልስጤም የረጋግጽ።
ዕለት 6 ሚያዝያ እስራኤል ግጉይ ሓበሬታ ከምዝረኸበትን ነቲ ፍጻመ ትምርምር ከምዘላን ከተፍልጥ እንኮላ፣ ቀይሕ ወርሒ ግን፣ እቶም ሰራሕተይናታት መጓዓዝያ ህሙማን “ንምቕታል” ብፍላጥ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ምዃኑ ብምሕባር፣ ናጻ ኣህጉራዊ መርመራ ክካየድ ይጠልብ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝተፈነወ ናይ ሮኬት መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ቀሊል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞምን ነዚ ስዒቡ ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ምላሽ ከምዝሃበ ምንጭታት እስራኤልን ፍልስጤምን ክሕብሩ እንከለዉ፣ ኣቐዲሙ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ - ብርጌድ ኣልቃሳም፣ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ዞባ ኣሽዶድ ሮኬታት ከምዘወንጨፈ ገሊጹ፣ እቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ሰላማውያን ዜጋታት ዝፈጸመቶ “ህልቂት” እንክብል ንዝገለጾ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ከፍልጥ እንከሎ፣ እስራኤል ዕለት 18 መጋቢት ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ናይ ኣየርን ምድርን ስርሒታት ከምዝጀመረትን እዚ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ርኡይ ምዕባለ ዘርእይ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብመሰረት ሓበሬታ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ፡ በቲ ዝተሓደሰ መጥቃዕቲ ክሳብ ሰንበት ዕለት 6 ሚያዝያ 1,335 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 3297 ድማ ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።