MAP

ሰራዊት እስራኤል ንራፋሕ ካብ ዝተረፈ ክፋል ውሽመጥ ጋዛ ይበትካ ሰራዊት እስራኤል ንራፋሕ ካብ ዝተረፈ ክፋል ውሽመጥ ጋዛ ይበትካ 

ሰራዊት እስራኤል ንራፋሕ ካብ ዝተረፈ ክፋል ውሽመጥ ጋዛ ይበትካ

ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ምሉእ ብምሉእ ከቢቡዋ ከም ዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ንራፋሕ ካብ ዝተረፈ ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ብምብታኽ ምሉእ ብምሉእ ኣካል ናይቲ "ጸጥታዊ ዞባ" ቢሉ ዝገልጾ መስርሕ ከም ዝገበራ ክንገር እንከሎ፣ ናይ እስራኤል ሚኒስተር ምክልኻል እስራዔል ካትዝ ነቲ ስጉምቲ ኣረጋጊጹ፣ ነቲ ኲናት ደው ዘብሎ ተግባር ድማ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ከባቢ ከይህሉ ምግባርን ምፍታሕ ኩሎም ጅሆ ዝተታሓዙ እስራኤላውያን እዩ ቢሉ፣ ስርሒታት እስራኤል ናብ መብዛሕትኡ መሬት ቓዛ ዝዝርጋሕ እዩ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላኽት።

ካትዝ ብተወሳኺ ውሽመጥ ቓዛ ኣብ ክልተ ዝኸፍል መተሓላልፎ መስመር ኔትዛሪም እውን ክሰፍሕ ምዃኑ ገሊጹ። እስራኤል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብመሰረት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብቲ ከባቢ ንሓጺር እዋን ኣንሳሒባ ከም ዝነበረትን ዳሓር ግን ተጻብኦታት ዳግማይ ምስ ተጀመረ ነቲ ከባቢ ዳግማይ ክም እተቖጻጸረቶ ክንገር እንከሎ። እዚ ዝፍጸም ዘሎ ስርሒት ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ካን ዩኒስ ዝርከቡ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወጹ ትእዛዝ ኣብ ዘመሓልፈሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፣ “ኣብቲ ከባቢ ከቢድን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክፍጽም እየ እንክብል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝሰዓበ ኮይኑ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምርን፡ ልዕሊ 50,900 ነበርቲ ቓዛ ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 116,000 ድማ ከም ዝቖሰሉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ፣ ነቲ ድሮ ኣዕናዊ ዝኾነ ህጹጽ ሰብኣዊ ኩነታት ዘጋደዶ ምዕጻው ቀረብ መግቢ፣ መድሃኒትን ነዳድን ኣብ ዘለሉ እዋን 26 ሬሳታትን 106 ውጉኣትን ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ካልኦት ትካላት ጥዕና ከም እተወስዱን ሰበስልጣን ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 12 ሚያዝያ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስርዓታት መባጽሕ ማይ ቓዛ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፣ “ንፍልስጤማውያን ፍጹም ኣዕናዊ ኩነታት ተስዕብ ኣላ” እንክብል ኣብ ዝወጸኦ መግለጺ ከም ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 13 ሚያዝያ እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ቤት ሕክምና ኣል - ኣህሊ ዓረብ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ቤት ሕክምና መሰረተ ልምዓት ብርቱዕ ዕንወት ከም ዘውረደትን በዚ ምኽንያት እውን እቲ ቤት ሕክምና ክዕጾ ከም እተገደ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ እንከመላኽት፣ ሰራዊት እስራኤል፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ዝርከብ መጥቃዕቲ ሓማስ ዘወሃህድ ማእከል ትእዛዝ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ክትገልጽ እንኮላ፣ ሰራሕተይናታት ቤት ሕክምና ከምዝሓበርዎ፣ ስራዊት እስራኤል ቅድሚ እቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ መጠንቀቕታ ሂቡ ከም ዝነበረን ይኹን እምበር እቲ መጠንቀቕታ ንክፍሊ መጥባሕትን ኣሃዱ ምንጪ ኦክስጅንን ከምዝሃሰየ ይሕብሩ።

እቲ ህውከት ዝመልኦ ምውጻእ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝዘንም ዝነበረ ቦምባታት ዝተፈጸመ ኮይኑ፣ ኣዚዩ ሓደገይና ከም ዝነበረን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ በረገሳውያን ሰራሕተይናታት ሕክምና ዘስዕቦ ሓደጋታት ንምንካይ ብትኽክል ዝምራሕ ተተኮስትን ኣመልካቲ ዒላማን ከምዝተጠቐመን ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን መጠንቀቕታታት ከምዝሃበ ይሕብር።

እቲ ብሓማስ ዝምራሕ መንግስቲ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ዒላማ ንጽላት ክንክን ጥዕና ቓዛ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፣ ሰበስልጣን ጥዕና ቓዛ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ቁጽሪ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን 50,944 ከምዝበጽሐን 116,156 ከምዝቖሰሉን ይሕብሩ።

15 Apr 2025, 16:23