MAP

ማእከል ሮሲንግ ብዛዕባ ህይወት ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ጸብጻብ የቕርብ ማእከል ሮሲንግ ብዛዕባ ህይወት ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ጸብጻብ የቕርብ 

ማእከል ሮሲንግ ብዛዕባ ህይወት ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ጸብጻብ የቕርብ

ማእከል ሮሲንግ ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘጉልሕ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘውጸአ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመታዊ ጸብጻብ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ መሬት፥ ዕለት 31 መጋቢት ኣብ ኢየሩሳሌም ብወግዒ ከም ዘቕረበን እዚ ሮሲንግ እተሰምየ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝመደበሩ ማእከል ውስጠ ሃይማኖታዊ ትካል፣ ትምህርትን ዘተን ዘተባብዕ ንኹሎም ሃይማኖታውያን፡ ብሄራውያንን ሃገራውያንን ጉጅለታት ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ዘተባብዕ፣ ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት 111 መጥቃዕቲ ወይ ዓመጽ ከምእተፈጸመን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ግን ኣብዚ ጥራይ ዝተሓጽረ እውን ከም ዘይኮነ እቲ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፣ መብዛሕትኡ መጥቃዕቲ ንውልቀሰባት ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፣ 35 ጉዳያት ግን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ገዳማትን ህዝባዊ ሃይማኖታዊ ምልክታትን ዝተፈጸመ ዕንወት ዘጠቓልል እዩ።

ዳርጋ ኣብ ኩሉ ጉዳያት፣ እቶም ዝተለለዩ ገበነይናታት፣ መንእሰያት፣ ኣኽረርቲ ኣይሁዳውያን ከም ዝኾኑን፣ እዞም ሰባት ኣብ ዓንኬላት ሃይማኖታዊ - ሃገራውያን ኣኽራርነት ዝምደቡ እዮም። ኣብ ስርዓት መንግስቲ እስራኤል እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ሃይማኖታዊ - ሃገራዊ ኣኽራርነት ንውሁዳን ሃይማኖታት ብፍላይ ድማ ንክርስትያን ቀጻሊ ስግኣት ዝፈጥር ሃዋህው ክብ የብል ከም ዘሎን፣ ማእከል ሮሲንግ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ 48% ካብቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ክርስትያን መንእሰያት፣ ካብቲ ዞባ ወጺኦም ክስደዱ ድላይ ከም ዘለዎምን፣ ኣስታት 77% ካብኣቶም እቲ ቀንዲ ምኽንያት፣ እቲ እናኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዘስዕቦ ኣድልዎን ዓመጽን ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ናይቲ ማእከል ሮሲንግ ጸብጻብ፣ ናይ እስራኤልም ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ማእክል ዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት ገይሩ፣ ኣብ 2024 ዓ.ም. ህዝቢ እስራኤል 10 ሚልዮን ከም ዝነበረን፣ 7.7 ሚልዮን ኣይሁድ ክኾኑ እንከለዉ፣ 2.1 ሚልዮን ድማ የዕራብ፣ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስቲያን ቁጽሮም 180,000 ጥራይ ከም ዝኾኑን - 80% ካብኣቶም የዕራብ፣ ዓረብ ክርስትያን ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዓረብ ኣብ እስራኤል 7% ዝሽፍን ምዃኑ ይሕብር።

ከተማ ኢየሩሳሌም 591 ሽሕ ኣይሁድ ከተአንግድ እንኮላ፣ 61% ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እታ ከተማ ዝሽፍን እዩ። ዓረብ ድማ 385 ሽሕ ከም ዝኾኑን፣ ካብዚኦም እቶም 13,000 ጥራይ ክርስትያን እዮም - እዚ ማለት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ መጠነ ርክብ ካብ 96% ክሳብ 4% ምዃኑ የመላኽት።

ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብዝሒ ኣይሁድ ብፍርቂ ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፣ ብዝሒ ህዝቢ ዓረብ ድማ ብተመሳሳሊ ፍልልይ ነክዩ - እዚ ድማ ምስቲ መንግስቲ ዘስፍሖ፣ “ነታ ከተማ ምሉእ ብምሉ ኣይሁዳዊ ምግባር፣” ዝብል ዝኽተሎ መስርሕ ዝፈጥሮ ዘሎ ኩነት ኮይኑ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓደስቲ ሰፈራታት ኣይሁድ ንምስራሕ ዝዓለመ ውጥን የጽድቕ ምህላዉን እዚ ኣስታት 11,500 ሓደስቲ ኣሃዱታት ኣባይቲ ምህናጽ ዝብል እዩ።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ 29% ካብ ነበርቲ ኢየሩሳሌም “ኦርቶዶክሳውያን - ኣይሁድ” ከም ዝኾኑን፣ እዚ ማለት ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ይውክሉ። እዚ ብተንተንቲ ማእከል ሮሲንግ ዝጎልሐ ዝንባለታት፡ ንኢየሩሳሌምን ቅድስቲ መሬትን ኮነ ኢልካን ብቐጻሊ ጎስጓስን ኣይሁዳዊ ምግባር ዝብል መርገጺ ምህላዉ  ዘመልክት እዩ።

እቲ ዝንባለ ሕጋዊ ቅርጹ ኣብቲ “መሰረታዊ ሕጊ” ዝበሃል (እስራኤል ቅዋም የብላን፡ ግን ከኣ ብመሰረታዊ ሕግታት ዝፍለጡ ዕስራ መሰረታዊ ሕግታት ኣለዋ) ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. መሰረታዊ ሕጊ፡ “እስራኤል ከም ሃገር - ሃገረ ህዝቢ ኣይሁድ” ቢሉ ኣብ ዝገልጻ መሰረታዊ ሕጊ ዝጸንዐ እዩ።

እዚ ሕጊ እዚ ምስቲ ብፍላይ “ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ መሰረታዊ ሕጊ 1992 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ፣ ብመንጽር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ምትሕቑቓፍ ዝብል መርገጺ ንድሕሪት ዝምለስ እዩ።

መሰረታዊ ሕጊ 2018 ዓ.ም. ውሱን ጽልዋታት እኳ እንተሃለዎ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘተሓሳስብ ማዕቀፍ ምክፍፋል ዝህብ ኮይኑ፣ ንዜጋታት ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ዘወምብር - እዚ ድማ ነቲ ብኣኽረርቲ ውድባት ዝፍጸም ሃዋህው ዓመጽ ዘነቓቕሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ጉዳይ ድማ ነቲ ኣብ “ውሑዳት” ሃይማኖታት ዝትግበር ስርዓት ዝምልከት ኮይኑ፣ ንቤት ትምህርቲ፣ ማእከላት መንእሰያት ወይ መዕረፊ ኣጋይሽ ነጋድያን እኳ እንተዘይኮነ፣ ንኣምልኾ ቦታታት ጥራይ ናጽነት ይህብ።

ኣብ መንጎ ሰበ - ስልጣን ምምሕዳር ከተማን ማሕበረሰባት ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ቅድስቲ መሬት ዝግበር ሓያሎ ግሁድ ሕጋዊ ግጭታት ኣሎ። መሰላት ንብረት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን ።

ኣብ ቅድስቲ መሬት ብፍላይ ድማ ኣብ ገሊላን ሰሜንን ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ዝለዓለ ጸገም ዘእትዎም ናይ መወዳእታ ጉዳይ ምስ ዝተወደበ ገበን ዝተኣሳሰር ምስፋሕ ዓመጽ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ክፋል ዓዕራብ ሱር ዝሰደደ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፣ እቲ ምስ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝተኣሳሰር ንጥፈታት፣ ኣስታት 230 ቅትለታት ኣስዒቡ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሰላማውያንን ሕግ ዝሕልዉን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ንኻልእ ምንጪ ወጥርን ጸገምን ይቃልዑ።

02 Apr 2025, 16:01