ሃይቲ፡ ክልተ መነኮሳት ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጕጅለታት ተቐቲለን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብታ ሃገር ንሓያላት ዕጡቓት ጕጅለታት እታ ሃገር ዝጥርንፍ “ብሓባር ምንባር” እተሰምየ ጉጅለ፣ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ምሉእ ብምሉ ንሃገር ሃይቲ ዳግማይ ንምጽጻር ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ግብረ መልሲ ንምሃብ ብዝካይዶ ዘሎ መጥቓዕቲ ክልተ ኣሓት ደናግል ኣባላት ማሕበር ቅድስቲ ተረዛ እናቴ ኤቫነት ኦነዛይረን ዢነ ቮልታይረ ኣብ ዞባ ማእከላይ ሃይቲ ከም እተቐትላን ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሃይቲ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣብ ራዕዲ ዘሎ ህዝቢ
ርእሰ ብሔር መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሃይቲ ፍሪትዝ ኣልፎንስ ጂን፥ "ኣብ ኲናት ኢና ዘለና" ከም ዝበለ ማዕከናት ዜና ሃይቲ ሓቢረን፡ መግለጺኡ፡ ኣብታ ካሪብያን ሃገር ዘሎ ቅልውላው ከቢድ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ። ዕለት 1 ሚያዝያ “ብሓባር ምንባር እተሰምየ” ጉጅለ ዕጡቓት ኣብታ ካብ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሚረባላይስ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ሃይቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተወት ዜና ቫቲካን ናይ ሃይቲ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣብ ልዕሊ ከተማ ሚረባላይስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ
200 ሽሕ ተቐማጦ ዘለዋ ከተማ ሚረባላይስ ብተደጋጋሚ ዒላማ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ኮይና ከም ዝጸነሐትን። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ገበነይናታት ዕጡቓት ጉጅለታት ዝወስዶ ዘሎ ውሳኔታት ሕነ ንምፍዳይ ዝኣመተ ከም ዝኾነ ከፍልጥ እንከሎ፣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣጋጣሚታት፡ ኣባላት ዕጡቓት ጕጅለታት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ወሪሮም፡ ብውሑዱ 500 እሱራት ከም ዘህደሙ ክዝከር እንከሎ፣ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ሃይቲያን ታይምስ እተሰምየ ጋዜጣ፣ ምስ ሃገራዊ ሓይሊ ጸጥታ ብዝተፈጥረ ግጭት ኣስታት 30 ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት ከም እተቐትሉ ይገልጽ።
ሚረባላይስ ወሳኒ ቦታ ኮይና፡ ኣብታ ከተማ እቲ ዝዓበየ ምዕቡል ሕክምናዊ ትካልን መንበረ ጥበብ ሕክምና ዝርከብ ከም ዝኾነን፡ መዓልታዊ ንኣሽሓት ሰባት ክንክን ጥዕና ዝህብ እዩ። ብተወሳኺ፡ ነታ ርእሰ ከተማ ምስ ሰሜናዊ ገማግም ባሕርን ምስ ዶሚኒካን ሪፓብሊክን ዘራኽብ - ስልታዊ ዞባ ብምዃና እውን ዒላማ ናይቲ ዳሕረዋይ ግጭት ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሕቡራት ሃገራት ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት የቕርብ
እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ፡ ኣህጉራዊ ስክፍታታት የስዕብ ምህላዉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረሽ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብደገፍ ማሕበረሰብ ዸም፡ ጸጥታ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምምላስ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ዝገብርዎ ጻዕርታት ከሐይሉ ጸውዒት የቕርብ። ይኹን እምበር በዓል መዚ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዊልያም ኦኒል፣ ነቲ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ኩነታት ዝሕብር ዝሃቦ መግለጺ፥ "ኣብዚ እዋን'ዚ ብጀካ ብመገዲ ሄሊኮፕተር ናብ ርእሰ ከተማ ሃይቲ ዘእቱ ወይ ዘውጽእ መንገዲ ከም ዘየለ ኣፍሊጡ፣ ጕጅለታት ንመላእ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን ናይ ቅትለት፡ ምዕማጽን ምንዳድን ተግባራት ይፍጽሙ ኣለዉ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ርእሰ ከተማ ዝተኻየደ ተቓውሞ
ጸጥታን ውሕስነትን ብዘይምህላዉ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዕግርግር ክውገድ ጻውዒት ዘቕርብ ኣሽሓት ሰባት ዝተሳተፍዎ ኣብ ጎደናታት ፖርት - ኦ -ፕ ሪንስ ዕለት 2 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተኻየደን፣ እቲ ብኣሊክስ ዲድየር ፊልስ - ኣይመ ዝምራሕ ጥምረት መንግስቲ፡ ነታ ሃገር ውሕስነት ክህብ ኣይከኣለን ብምባል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝሓተቱን፣ ኣብ መንጎ ኣድመይናታትን ሓይሊ ጸጥታን ዘጋጠመ ግጭት፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት መራሔ መንግስትን መሰጋገሪ ቤት ምኽርን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እውን ከም እተራእየን ምንጭታት ሓበሬታ ሃይቲ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብመሰረት መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ካብ ሓምለ 2024 ዓ.ም. ክሳብ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ልዕሊ 4200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 6 ሽሕ ድማ ቤቶም ንብረቶምን ሓዲጎም ክመዛበሉ ከም ተገዱን፣ ህጹጽ ኣህጉራዊ ምትእትታው ክግበር ዝሓትት ጻውዒት ህጹጽ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ቅልውላው ኣናገደደ ይኸይድ ምህላዉ የመላኽት።