MAP

እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 29 ሰባት ተቐቲሎም እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 29 ሰባት ተቐቲሎም  (AFP or licensors)

እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 29 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ጉዳይ ክንክን ጥዕና፡ እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ህጻናት ዝርከብዎም 29 ሰባት ከም እተቐትሉን፣ ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ዝተገበገሰ መጥቓዕቲ ሓገዝ ከይኣትው ይገብር ብምህላዉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥዕናዊ ጸገማትን ሕጽረት መግብን ከም ዝወድቁን ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓኻይም በቲ ኣብ ምብራቓዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ዝተፈጸነ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝቖሰሉ ክሕብሩ እንከለዉ፣ ብዙሓት ገና ደሃዮም ዘይተረኽበን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጉቶም ከምዘለዉን ይእመን። ወተሃደራት እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ንሓደ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ጸረ እስራኤል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ዝነበረ መደብ ምርኡይ ተራ ዝነበሮ ወተሃደር ሃማስ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ገለጹ፣ መንነት ናይቲ ኣባል ዕጡቓት ሓማስ ግን ኣይገለጸን። እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እውን ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዘወርዶ ጕድኣት ንምንካይ ብዘኽእል ኣገባብ ዝተወጠነ እውን ምንባር ኣመላኺቱ፣ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ናይ ጥዕና ሰበ - ስልጣን ኣብቲ ብሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ትሽዓተ ተወሳኺ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሞቱ ሓቢሮም፣ ዕለት 9 ሚያዝያ ብዝተፈላለየ ስርሒት መጥቓዕቲ እስራኤል ብጠቕላላ 38 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጦም።

እስራኤል ዕለት 18 መጋቢት ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ናይ ኣየርን ምድርን ስርሒታት ከምዝጀመረትን እዚ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ርኡይ ምዕባለ ዘርእይ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብመሰረት ሓበሬታ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ፡ በቲ ዝተሓደሰ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ 1,500 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ ክንክን ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም፣ ቀይሕ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥም ዘሎ ቅትለት “ኮነ ኢልካ ዝፍጸም እዩ” እንክብል ናጻ መርመራ ክካየድ ከም ዝሓተተን፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ እቲ ሓደ ወርሒ ዘቑጽር ዘሎ እገዳ፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ስቓይ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዘጋድደሉ ዘሎ እዋን፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናብ ውሽመጥ ቓዛ ህጹጽን መተዓናቕፎን ዘይብሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፣ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “ዝኾነ ሓገዝ ናብ ቓዛ ከይኣቱ ዝገበረ ሓደ ወርሒ ዘቑጽር ዘሎ እገዳ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒት፡ ንግዳዊ ቀረብ” ከይህሉ ከም ዝገበረን፣ ቅሙጥ ሓገዝ እናተወደአ ይኸይድ ብምህላዉ፣ እዚ ኵነት እዚ ንዘስካሕክሕን ሰብኣዊ ሓደጋ ከም ዘቃልዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Apr 2025, 17:21