ውድብ ሃገራት ዓረብ ንእስራኤል ይኸስስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣሕመድ ኣቡል - ገይት ኣብ መግለጺኡ፡ "እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኲናት" ኮኒኑ፣ እቲ እስራኤል እትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ኣብ ቓዛ ብዘይምቁራጽ ዘስዕቦ መዓልታዊ ቅትለትን ምምዝባል ሰላማውያን ሰባትን ነቒፉ፣ እዚ ተግባራት እዚ ነበርቲ ነቲ ከባቢ ንኽነብረሉ ዘይክእልሉ ክኸውንን ካብቲ ከባቢ ንኽወጹን ዘስገድድ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ እንክብል ከም ዝገለጾ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣቐዲሙ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ቁጠባዊ መርበብ ሓማስ ካብቶም ቀንዲ ቢሉ ዝኸሶ ስዒድ ኣሕመድ ዓበድ ኹዳሪ ከም ዝቐተለ ከፍልጥ እንከሎ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኩዳሪ "ኣብ ውሽጢ ሓማስ ውሳኒ ኣመሓዳሪ ቁጠባዊ ግብረሽበራ" ብዝብል ክሲ ዝደልዮ ዝነበረ ኮይኑ፣ ገንዘብ ናብ ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ኣብ ምስግጋር ዓቢ እጃም ናይ ዘለዎ ግብረሽበራዊ ትካል ኣል ወፋክ ምወላ ዝመርሕ ምንባሩ መንግስቲ እስራኤል ይሕብር፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ካልእ ቦታታት፣ ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ኣልቃሳም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ፍርቂ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን፣ እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን መጥቓዕቲ ኣብ እተካይደሉ ዘላ ከባቢታት ከምዘለዉ ብምግላጽ፣ እቲ ጉጅለ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ከየግዕዞም ከም ዝመረጸን ኣብ ክንድኡ ኣብ ከባቢኦም ጽኑዕ ናይ ጸጥታ ስጉምትታት ምትግባር ኣብ ልዕሊ ህይወቶም ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኤፊ ደፍሪን፣ እቲ ሰራዊት ኣብ ቓዛ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ናብ "ሓድሽ መድረኽ" ከምዝኣተወ ክሕብር እንከሎ፣ በቲ እስራኤል ብእተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ 1,249 ፍልስጥኤማውያን ከም እተቐትሉን፣ 3,022 ድማ ከም ዝቖሰሉን ሰብ መዚ ጥዕና ቓዛ ዕለት 4 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ከም ዝሓበረን፣ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘጉልሖ፡ ካብ 18 መጋቢት ጀሚሩ፣ ሰራዊት እስራኤል ፍልስጥኤማውያን ካብ ከባቢኦም ንኽወጹ ዘተሓሳስብ 13 ትእዛዝ ከምዘውጽአን፡ እዚ ድማ ኣስታት 126.6 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ካብኡ ኣስታት 35% ንመሬት ቓዛ ዝውክል ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ልዕሊ 280 ሽሕ ፍልስጥኤማውያን ከም እተመዛበሉ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።