MAP

ንፍልስጥኤማውያን ዝያዳ ስቓይ ዘስዕብ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ንፍልስጥኤማውያን ዝያዳ ስቓይ ዘስዕብ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ   (ANSA)

ንፍልስጥኤማውያን ዝያዳ ስቓይ ዘስዕብ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ

ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተገብረ ስንኩፍ ስምምዕ ደው ምባል ተኹሲ ትኹረት ብምሃብ፡ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ኩነታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፣ ካብ 1967 ዓ.ም. ጀሚሩ ተራእዩ ኣብ ዘይፍለጥ ደረጃ ዓመጽ ከብል ምዃኑ የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ሓደ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ እገዳ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ከልዕሎ ማሕበረሰብ ዸም ዘቕረቦ ኣህጉራዊ ጻውዒት ብምጥሓስ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይውሑስን ዘይተረጋገጸን ኮይኑ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳዲን ሓዊሱ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘየለ፣ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ወኪል ኣብ ኤውሮጳ ማርታ ሎረንዞ ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ሓቢራ፣ ነቲ ብሰንኪ ግዱድ ምምዝባል፣ ሰፊሕ ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ሰብኣዊ ስርሒታት ጽልዋ ዘሕድርን ዘሎ ቅልውላዋት ተብርህ።

ብድሆታት ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት

ሎረንዞ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክትዛረብ እንኮላ፣ "ብዛዕባ 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደ መዓልትን ሓደ ለይትን ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ኢና ንዛረብ ዘሎና። እቲ እንዕዘቦ ዘሎና ዕንወት ሰፊሕ፣ ኮነ ቢልካ ዝፍጸም ስርዓታዊ ኮይኑ፡ ኣብ ምሉእ መዓስከራት ዝነበሩ ካብቲ ቦታ ክወጹ ዘገደደ እዩ -  ምስ በለት - ምሉእ ማሕበረሰባት ስለዝፈረሱ ብዙሓት ነበርቲ ናብ ገዝኦም ፈጺሞም ክምለሱ ከምዝኽእሉን፡

እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ፡ ንዓቕሚ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ኣገልግሎት ምሃብ ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣዝዩ ይጸልዎ ኣሎ። "ዓሰርተ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ናይቲ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA)፣ ክዕጸዋ ከም ዘገደደን፣ ዳግማይ ከምቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19 ዝግበር ዝነበረ ናብቲ ብመስመረ መርበብ ዝመሓላለፍ ትምህርቲ ክንሰጋገር ግድን ኮይኑና ኣሎ። ኣብ ክንዲ ሕሙማት ናብ ኣባይቲ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ዝኸዱ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ሕክምና ናብ መዓስከራት ስደተይናታት ክዋፈራ ገርና ኣለና . . . እዚ ጻዕርታት'ዚ እኳ እንተተገብረ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ልዕሊ ዓቐን ድሌታት መልሲ ንምሃብ ብሓቂ ዓብይ ብድሆ እዩ። ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ልዑል'ዩ" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እገዳ እስራኤል ኣብ ስርሒታት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕ. ሃ. ንሓልዮ ፍልስጤም ስደተይናታት

መንግስቲ እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ስርሒታት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ኣብ ምብራቕ እስራኤል ዝኽልክል ሕጊ ብምጽዳቑ፣ ኣህጉራውያን ሰራሕተይናታት ረድኤት ካብቲ ከባቢታት ክወጹ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎን፣ "ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈትና፣ ዸምለኻውያን ሰራሕተይናታትና ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ኣይክእሉን እዮም" ቢላ፣ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ሓገዝ ንምቕራብ ቆሪጹ ኣብቲ ከባቢ ክጸንሕ እንከሎ፡ እቲ ናይ ስርሒት ብድሆታት ግን ኣዚዩ ብዙሕ ብምዃኑ፣ “እቲ ዘሎ ዓመጽ እንተደኣ ዘይዓገተ ኩለን ኣብያተ ትምህርትናን ማእከላት ጥዕናናን ክፉታት ኮይነን ክጸንሓ እየን . . .  ዋላ'ኳ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዕንቅፋታት እንተሃለወ፣ እቲ ትካል ስርሑ ንምቕጻል ቆሪጹ ከምዝተላዕለ ተረጋግጽ።

ጽልዋ ናይ ሓሶት ሓበሬታ

ሎረንዞ ካልእ ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ዘጋጥሞ ዘሎ ርኡይ ብድሆ እውን፣ ተኣማንነቱ ዘዳኽም ናይ ሓሶትን ጸለመን ሓበሬታ ጎስጓሳት እዩ። "ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ትካል ግብረሽበራዊ ትካል ተባሂሉ ክጽዋዕ እንከሎ፡ ህይወት ሰራሕተይናታትና ናብ ሓደጋ እዩ ዘእትው" ክትብል ኣጠንቂቓ። እዚ ክስታት እዚ ቝጠባዊ ዘይምርግጋእ እውን ኣስዒቡ እዩ፣ እዚ እቲ ትካል ነቲ ቅልውላው ምላሽ ናይ ምሃብ ዓቕሙ ዘዳኽም ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። "ን2025 ዓ.ም. ሕጂ'ውን ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ንህጹጽ ሰብኣዊ ድሌታት 17 ሚልዮን ዶላር የድልየና እዩ” ቢላ፣ ቀጻሊ ኣህጉራዊ ደገፍ ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪባ፣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ዓመጽ ኣብ ዝቕጽልሉን ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ኣብ ዝኾነሉን እዋን፡ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ኣብ ጎኒ ህዝቢ ፍልስጤም ደው ኢሉ ኣገዳሲ ሓገዛት ብምሃብን ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ይጣበቕን ከምዘሎ ደጊማ ኣረጋጊጻ። "እቲ ዘድልየና ነዚ ዑደት ዓመጽ ንምብታኽ ቆራጽነትን ትብዓትን'ዩ" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሰላምን ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን

ኣብዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ማርታ ሎረንዞ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግብረ ገባዊ መሪሕነቶም ኣመስጊና፣ "ቅዱስነቶም ከም ፖለቲካዊ ኣካል ዘይኮነስ ከም ተሓላቒ ሰብኣውነት እዮም ዝረአዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ ንሰላም ዝገብርዎ ምጉስጓስ ወሳኒ እዩ" ምስ በለት፣" እንተፈቒድኩምለይ ነዚ ዕድል ተጠቒመ ቅልጡፍ ሕውየት ክምነየሎም እደሊ . . .  " ኣብዚ እዋን ቅዱሰንቶም ከቢድ እዋን የሕልፉ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና፡ ካብ ዝርከብሉ ሆስፒታል ከይተረፈ፡ ነቶም ዝተጸገሙ ኣይረሰዑን፣ እነቕርበሎም ምስጋና ልዑል እዩ” ቢላ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

10 Mar 2025, 15:11