MAP

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ሑቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈጺማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ሑቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈጺማ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ሑቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈጺማ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ የመን ዝርከባ ዒላማታት ዓመጽቲ ሑቲ ከም ዝሃረመትን በቲ ብነፋሪት ዝተፈጸመ ደብዳብ እውን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ድማ ከም ዝቖሰሉን ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ንዝርከቡ ዓመጽቲ ሑቲ ዒላማ ዝገበረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝጀመረት ከፍልጡ እንከለዉ፣ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ፣ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዝፍጸም ዘሎ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝኾነን፣ ክሳብ ዕለት 16 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነፈርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሞቱ ሰባት ናብ 31 ክብ ከም ዝበለን ብውሕዱ 101 ሰባት ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት የመን ንኣብነት ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ፣ ሰሜናዊ ዞባ ሳዓዳ ኣብ ዝርከብ ዕርዲ ሑቲ፣ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመን፣ ኣብ ንብረትን ሰብን እውን ዕንወትን መጉዳእትን ከም ዘስዓበ ይንገር።

ረብሓታት ሕ.መ. ኣሜሪካ ንምሕላው ዝዓለመ መጥቃዕቲ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሑቲ "ግብረሽበራዊ ትካል" ዝብል ስያመ ዳግማይ ዝሃበ ትራምፕ፡ እቲ ስርሒት ረብሓታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምሕላውን ኣብቲ ከባቢ ናይ መራኽብ ጉዕዞታት ውሑስ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝገለጸን። ከም ግብረ መልሲ፡ ምምሕዳር ሑቲ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ቃል ብምእታው፣ እቲ መጥቃዕቲ ብዘይ ምላሽ ኣይክተረፍን እዩ ከም ዝበለን፣ ዕለት 11 መጋቢት እቲ ጉጅለ፡ መሳገሪታት ወሽመጥ ቓዛ ዳግማይ እንተዘይተኸፊቱ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ከባቢኡን ኣብ ዝርከባ መራኽብ እስራኤል መጥቃዕቲ ዳግማይ ክጅምር መደብ ከምዘለዎ እውን ከም ዘፍለጠን፣ ሓሓሊፋ ካብቲ ኣብ ቆጵሮስ ራፍ ኣክሮቲሪ ዝርከብ መደበራ ኣብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እትሳተፍ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ስርሒት ከም ዘይተጸንበረት ክንገር እንከሎ፣ እንተኾነ ግን ንሓይልታት ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስሩዕ ነዳዲ ኣብ ምቅራብ ከም እተሳተፈት ይሕበር።

17 Mar 2025, 15:52