ዩኒሴፍ ፦ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ቈልዑን ህጻናትን ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ነገራት ስኢኖም ኣለዉ
ብክሪስቶፈር ዌልስ
ኣባል ናይቲ ትካል ኣድሕን ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገረአት ዝኾነ ኤዶዋርድ ቢግቤደር "ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ገማግም ቃዛ ከያኣቱ ብምኽልካል፣ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑን ህጻናትን ብዘይ ዝኾነ መሰረታዊ ነገራት ብህይወት ንኽነብሩ ተፈሪዶም ኣለዉ" በለ።
እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከብ ትካል ኣድሕን ቈልዑን ህጻናጽን ው. ሕ. ሃ. ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዳርጋ ዅሎም እቶም ኣብ ፍልስጥኤም ዝርከቡ 2.4 ሚልዮን ዝኾኑ ቈልዑን ሕጻናትን እንተላይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቃዛ፣ በቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ጉጅለ ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ግጭት ከም ዝጉድኡ ዘለዉ ኣመልኪቱ። ቢግቤደር ኣብ መግለጺኡ "ኵሎም ቈልዑ ዕቝባ ኽግበረሎም ኣለዎ" ብምባል ኣትሪሩ ጥርዓኑ የቕርብ።
ልዕሊ 180,000 ዝዓቀኑ ክታበታትን ከምኡውን ኣስታት 20 ዝኸውን መሳርሒታት ሕገዛ ሥርዓተ ምስትንፋን ናብ ገማግም ቃዛ ኽበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ዝተሰምዖ ጓሂ ገሊጹ። "እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ብገምጋም 4,000 ዝዀኑ ናጽላታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ገማግም ቃዛ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕክምና መሳለጥያታት ዘሕደሮ ዓብዪ ጽልዋ ናይ ህይወት ኣስሕን ኣድላዪ ክንክን ክረኽቡ ኣይከኣሉን ዘለዉ።
ቢግበደር ኣስዒቡ እቲ ሰላማውያን ሰባት ክረኽብዎ ዘለዎም ኣድላዪ ነገራት ክማላእ ከም ዘለዎ ውን ይገልጽ፣ ገለ ኻብዚ ድማ "እቲ ውግእ ደው እንተ ዘይኢሉ ወይ እንተ ዘይኣቋሪጹ ሰብኣዊ ሓገዛት ህይወት ኣድሕን ንምርካብ ዘኽእል ኢዩ።" ትካል ዩኒሴፍ ዝገብሮ ናይ ቈልዑን ሕጻናትን ረድኤት ጥዕና ናብ ቃዛ ክኣቱ ይቃለስ ከም ዘሎ ውን ኣመልኪቱ፣ ወሲኹ ድማ "ከምኡ ዘይንገብሩሉ ምኽንያት የብልናን" ውን ይብል።
ቢግበደር ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ገምገምን እንተላይ ነቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ውግእ ካብ ዚጅመር ኣትሒዞም ኣብ ምዕራብ የሩሳሌም እተቐትሉ ቘልዑ ከምኡውን እቶም ልዕሊ 35,000 ዝዀኑ ቘልዑ ካብቲ ኣብ ጀኒንን ሰሜናዊ ምዕራብ ገምገምን ዚርከብ ኣባይቶም ኪወጹ ኸም እተገደዱ ገሊጹ።
ትካል ዩኒሴፍ ነቶም ኣብ ፍልስጥኤም ዘለዉ ቘልዑ ንምዕቋብን ንምድጋፍን ኣብ ዝዓየሉ ዘሎ፣ ቢግበደር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እዚ ኹሉ እኹል ከም ዘይኰነ ገለጸ - "ቈልዑ ክቕተሉ ክጕድኡ ወይ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ የብሎምን፣ ኵሎም ወገናት ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘለዎም ግዴታታት ከኽብሩ ኣለዎም።" ኣድላዪን ግድነታትን ዕቝባን ሰላማውያን ሰባት ከማልኡ ኣለዎም፣ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ሓገዛት ከኣ ብህጹጽ ናብ ኩሉ ቦታት ክበጽሕ ክፍቀደሉ ኣለዎ። ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ድማ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም፣ እቲ ኣብ ገማግም ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ ኸኣ ነቲ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ክገብረሉ ኣለዎ።"