MAP

SUDAN-CONFLICT-DISPLACED-AID SUDAN-CONFLICT-DISPLACED-AID  (AFP or licensors)

ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 110 ሚልዮን ዶላር ይምድብ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ፣ እስያን ላቲን ኣሜሪካን ኣብ ዝርከቡ 10 ትሑት ምወላ ዝግበሮን ሸለል ዝበሃሉን ቅልውላዋት ዸምና ንምውጋድን ንህይወት ዘድሕን ሓገዝ ንምሕያልን ዝውዕል ገንዘብ ከም ዝመደበን፣ ኣብተን ኣዝየን ተቓላዕቲ ሃገራት ንዝርከቡ 185 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ድሌታት ንምምላእ እንተወሓደ 45 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ እውን ሓቢሩ፣ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት "ክሳብ ሕጂ ካብዚ ገንዘብ “5% ዝሽፍን ጥራይ ከም እትረኸበን ልዕሊ 42 ቢልዮን ዶላር ክፍተት ኣሎ” እንክብል የማርር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብኣዊ ትካላት ነተን ኣዝየን ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራትን ኣብ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ሓደጋ ንዝወደቓ ሃገራት ንምድጋፍ ይዓያ ከም ዘለዋን፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብዚ ጉዳይ መርገጺ ሒዙ፣ ኣብ መላእ ዸም ሃንደበታዊ ምንቁልቋል ሰብኣዊ ሓገዛት ንምዕጋት ዝዓለመ 110 ሚልዮን ዶላር (ካብ ንህጹጽ እዋን ዝጥቀመሉ ቅሙጥ ገንዘብ) ከም ዝሰለዐ ክሕበር እንከሎ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘርአዮ ናይ ለውጢ ኣንፈት ስዒቡ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ወድብ ሕቡራት ሃገርት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

መልሲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ዕለት 6 መጋቢት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌትኽር ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “እቲ ዝተመደበ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ሆንዱራስ፣ ማውሪታንያ፣ ኒጀር፡ ሶማልያ፣ ቬንዙዌላን ዛምብያንን እውን ንዝወሃብ ሰብኣዊ ምላሽ ከሐይል እዩ፣” ከም ዝበለን፣ እዚ ገንዘብ - ወሲኹ - ነቶም ብምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ህዝብታት ንምክልኻል ዝውዕል እውን ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ታሪኽ ዸም እቲ ኣዚዩ ዝተሓተ ሰብኣዊ ሓገዝ

ክሳብ 2025 ዓ.ም. ልዕሊ 300 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጽግዕተይናታት ክኾኑ ከም ዝኽሉ ግምት እውን እንተሎ፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝወሃብ ምወላ ዓመት ዓመት እናነከየ ይኸይድ ምህላው እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣስተብሂሉ፣ ብቐንዱ ብሰንኪ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተወሰነ ምጉዳል መጠን ገንዘብ ምዃኑ ገሊጹ፣ ኣብዚ ዓመት ኣብ ታሪኽ ዸም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተሓተ ሰብኣዊ ሓገዝ ከጋጥም ከም ዝኽእልን ድሮ ልዕሊ 42 ቢልዮን ዶላር ሕጽረት ኣጋጢምዎ ኣሎ ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ሓገዝ ንሱዳን

ኣስታት ሲሶ ናይቲ ብመንገዲ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት - CERF ዝቐርብ ገንዘብ ናብታ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ብዘቑጽር ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንኸቢድ ቅልውላውን ምዝንባልን ዜጋታት ሓደጋ ተቓሊዓ ዘላ ሱዳን ዝውዕል ኮይኑ፣ ነቶም በቲ ዕለት 15 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም.  ብዝተባርዐ ውግእ ሓድሕድ ካብ ሱዳን ዝስደዱ ንዘለዉ ዜጋታት እተአንግድ ዘላ ሃገረ ጫድ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክወሃብ እውን ምዃኑ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌትኽር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Mar 2025, 15:30