ዩክሬናውያን ኣብ ሞንጎ ዝረኣ ዘሎ ሓድሽ ውጥረት ሰላም ይናፍቑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መራሔ መንግስቲ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነዊሕ ዘተ ከም ዘካየደን ድሒሩ እውን ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ብስልኪ ከም እተራኸበ ምንጭታታ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ውጥን ሰላም
“ሕጂ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳን ምናልባት’ውን ካልኦት ሓደ ወይ ክልተ ሃገራትን ምስ ዩክሬን ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝዓለመ ውጥን ክትሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና፡ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ውጥን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክንዛተየሉ ኢና” እንክብል መራሔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ሓቢሩ፣ እንተኾነ ግን ዳግማይ ሕንጸት ዩክረይን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ፡ ምኽንያቱ ክኢላታት ከም ዝብልዎ፣ ዩክረይን ሕጂ ኣብ ዸም ዝለዓለ መጠን ተፈንጃሪ ዝተቐብራ ከም ዝኾነትን፡ ካብ ጠቕላላ መሬታ ኣስታት ሓደ ሲሶ ዝሽፍን እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ብውሕዱ ሓደ ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ዝግመት ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ዩክሬን ገና ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሩስያ ተሰጋጊሮም ዝብሎም ልዕሊ 19 ሽሕ ዩክሬናውያን ህጻናት ከም ዘለዉን፣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ዩክሬይን ኣስታት 25 ሚታዊ ዝሽፍን 10.6 ሚልዮን ዝግመቱ ዩክሬናውያን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ከም እተመዘበሉን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 ዓ.ም. ንስደተይናታትን በቲ ኩናት ንዝተሃሰዩን ዩክራይናውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ 3.3 ቢልዮን ዶላር የድሊ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።