ክረምሊን ንእማመ ተኹሲ ደው ምባል ዩክሬንን ኣሜሪካን 'ኣጽንዕ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዕለት 12 መጋቢት ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጎ ሰበ - ስልጣን ሕ.መ. ኣመሪካን ዩክሬንን ዝተኻየደ ርክብ ሃናጺ እንክብል ከም ዝገለጾን፡ እቲ ምስ ሩስያ ን30 መዓልታት ክፍጸም ዝኽእል ተኹሲ ደው ናይ ምባል እማመ፣ ሰላም ንምንዳፍ ክሕግዝ ከምዝኽእል ይሕብር።
ብተወሳኺ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክርይን ብዝሓጸረ እዋን ንምቁራጽ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዩክረይን ከም እትድግፎን እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ወተሃደራዊ ሓገዝን ምክፋል ሓበሬታ ስለያን ሕ.መ. ኣመሪካ ዳግማይ ክጅመር ከም ዝሓተተን፣ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዩክሬን ነቲ ግጭት ንምቁራጽ ስጉምትታት ክትወስድ ድሕሪ ምሕታቱ፣ ንኪየቭ ኣቋሪጽዎ ዝነበረት ቀረብ ኣጽዋርን ምክፋል ስለያዊ ሓበሬታን ዳግማይ ክትጅምር ዕለት 12 መጋቢት ከም እተሰማመዐ ሮይተርስ ኣገልግሎ ዜና ዝሓቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ እቲ ዩክሬን ዝተቐበለቶ እማመ ተኹሲ ደው ምባል፣ ንኣየርን ባሕርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ቅድመ ግንባር ናይቲ ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሽፍን ምዃኑ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ከም ዝገለጸን፣ ዩክሬን ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ፣ ሕጂ ድማ ሕ.መ. ኣመሪካ ንሩስያ ኣብዚ እማመ ከተእምን ኣለዋ ብምባል፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሞስኮ ኣብ እትሰማምዓሉ ህሞት ዝጅምር እዩ ከም ዝበለ ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።
ድሕሪ’ቲ ንልዕሊ 8 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ኣብ ዝተዋህበ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፣ ሕጂ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ሩስያ’ዩ ዘሎ፣ ንሰላም እወ ክትብል ተስፋ ንገብር” ከም ዝበለ ዝሓበረ ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ፣ ኤውሮጳ ኣብ ዝኾነ ይኹን ውሕስነት ጸጥታ ንዩክሬን ክትሳተፍ ከምዘለዋን፣ እቲ ኤውሮጳ ዘንበረቶ እገዳ እውን ኣብ ዓውደ ዘተ ክቐርብ ምዃኑን ሩቢዮ ከም ዘፈልጠ የመላኽት።
ትራምፕ - ፑቲን ኣብ ቀረባ እዋን ዘካይድዎ ዘተ
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ብሓጎስ ብምቕባል ምስ ርእሰ ብሔር ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እቲ ውጥን ኣብዚ ሰሙን እዚ ክዝትይ ምዃኑ ቃል ከም ዝኣተወን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ብትኽክል ኣብ ወርሒ ጥሪ ርእሰ ብሔር ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኣብ ዩክሬን ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ዝብል ሓሳብ ነጺጉ ከም ዝነበረን፣ እቲ ዘድሊ ዕረፍቲ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስምምዕ ሰላም ክህሉ ኣለዎ እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ደጊሙ ከም ዘረጋገጸን፣ ተንተንቲ ጉዳያት ፖለቲካ፥ እዚ ጉዳይ እዚ ፑቲን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጥቡቕ ርክብ ክህልዎ ዘለዎ ድሌት ከተሓላልኽ ከም ዝኽእል ክሕብሩ እንከለዉ፣ ትራምፕ ነቲ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከብቅዕ ከም ዝደሊ ክዛረብ እንከሎ፣ ፑቲን ድማ ዩክሬን ናብ ስሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ከም ዘይትጽንበርን እቲ ኪዳን ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ህላወኡ ከጉድል ምዃኑ ዘረጋግጽ፣ ካብ ምዕራባውያን ሃገራትን ካብ ኪየቭን ዓበይቲ ሕድገታት ክሳብ ዝቐርብ፣ ውግእ ከም ዘየቋርጽ ምልክት ከም ዝሃበ ዜና ቫቲካን ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰለስተ ዓመታት ከይተሓለሉ ነቲ ኲናት ክነቕፉን፣ ምስታ “እትሳቐይ ዘላ ዩክሬን” ዘለዎም ቅርበት ገሊጾምን፣ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዸም ዘሎ ግጭትን ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፣ ሎሚ እውን የቕርቡ ምህላዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።