MAP

መራሕቲ ኣውሮፓ ድሕሪ ዋዕላ ለንደን ንዩክሬን ውጥን ሰላም ከቕርቡ ቃል ኣትዮም መራሕቲ ኣውሮፓ ድሕሪ ዋዕላ ለንደን ንዩክሬን ውጥን ሰላም ከቕርቡ ቃል ኣትዮም  (ANSA)

መራሕቲ ኣውሮፓ ድሕሪ ዋዕላ ለንደን ንዩክሬን ውጥን ሰላም ከቕርቡ ቃል ኣትዮም

መራሔ መንግስቲ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፣ ዝሓለፈ ዕለት 2 መጋቢት ምስ 18 መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ለንደን ድሕሪ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ዩክሬን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተቕርቦ እትኽእል ውጥን ሰላም ንምሕንጻጽ ከምዝተሰማምዑ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ዋዕላ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳ ንውጥን ርእሰ ምክልኻል ዝያዳ ወጻኢታት ክትገብር ከም እተሰማመዐን፣ ኤውሮጳ “ኣብ ታሪኻዊ መስቀላዊ መገዲ” ከምዘላ ዝገለጸ መራሔ መግንስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ዩክሬንን ገለ ካልኦት ሃገራትን “ናይ ፍቓደይናታት ጥምረት” ብምቛም፡ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል 4 ነጥቢ ዝሓዘ ውጥን ክሕንጽጻ ምዃነን ስታርመር ሓቢሩ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ኣብቲ ኤውሮጳ ንዩክሬን ኣብ እትገብሮ ደገፍ ከተሳትፍን ነቲ ውጥን ሰላም ብሓባር ንቕድሚት ከሰጉምዎን ክጽዕሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ቅድሚ እቲ ዋዕላ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንሓንቲ ናይ ሃገሩ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውጥን ሰላም ዩክሬን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ዘጠቓልል ምዃኑን፡ እዚ ድማ ንመጥቃዕቲ ኣየርን ባሕርን ዝምልከት እምበር ኣብ መሬት ዝካየድ ውግእ ዝምልከት ከም ዘይኮነ ገሊጹ፣ ብወገኑ ሰራዊት ኣውሮጳ ክዋፈር ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዓብዪ ስምምዕ ሰላም እንተተበጺሑ ጥራሕ ዝትግበር ምዃኑ ከፍልጥ እንከሎ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፣ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ምኽትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቫንስን ዝተፈጸመ ዘሰሓሕብ ክትዕ፣ መራሕቲ ኤውሮጳ ኪየቭ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘተ ሰላም ከይትግለል ንምርግጋጽ ይጽዕሩ ከም ዘለውን፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተራእየ ዘሰሓሕብ ክትዕ ርእሰ ብሔር ትራምብ ንዩክሬን ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ ከቋረጽን፣ ብቐጥታ ምስ ሩስያ ዝመያየጥ ውጥን ሰላም ክጽዕን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እውን ከም ዘዓዓለ ይንገር።

ድሕሪ እቲ ዋዕላ፣ ካልእ ንመራሒ ዩክሬን ዝድግፍ ምርኢታት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ከም እተራእየን፣ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ንንጉስ ብሪጣንያ ቻርለስ ኣብ ምብራቓዊ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ንኽራኸቦ ከም ዝኸደን፣ ዘለንስኪ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ዩክሬን ኣብዚ ደረጃ’ዚ ከም ኣካል ስምምዕ ሰላም ሩስያ ዝሓተተቶ መሬት ንሩሲያ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ክትዝትየሉ ፍቓደይና ከምዘይኮነት እኳ እንተገለጸ፣ ሕጂ’ውን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስምምዕ ማዕድናት ክፈርም ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ። ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዩክሬን ንዝገበረቶ ደገፍ ዳግማይ ምስጋናኡ ከም ዘቕረበ ክንገር እንከሎ፣ ብኻልእ ወገን ሩስያ ኣብ ዩክሬን እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ኩሉ ዕላማታታ ክሳብ ዝብጻሕ ክቕጽሎ ምዃኑ ብወግዒ ከም ኣፍሊጡ፣ ኣብ መንጎ ዘለንስኪን ትራምፕን ዝተፈጸመ ግጭት፣ ክረምሊን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንዘለንስኪ ፍጹም ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሉ እንክብል ብምግላጽ፣ ምብትታን ሓባራዊ ሓድነት ምዕራባውያን ዝጀመረ ይመስል ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሩሲያ ጠቒሱ የመላኽት።

05 Mar 2025, 16:40