MAP

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ሓድሽ ግጭት ከይፍጠር ስክፍታታት የለዓዕል ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ሓድሽ ግጭት ከይፍጠር ስክፍታታት የለዓዕል 

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ሓድሽ ግጭት ከይፍጠር ስክፍታታት የለዓዕል

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ኣብ 2022 ዓ.ም. ብወግዒ ደው ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ግን ነቲ ተኣፋፊ ሰላም ናይቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ውሽጣዊ ወጥሪ ቀልጢፉ ናብ ሓድሽ ዞባዊ ግጭት ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕ ዝገበረ እኳ እንተኾነ፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ግን ንሰላም እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና የመላኽት።

ናይ ኤጳርቅና ዓዲ ግራት ጳጳስ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን ብዛዕባ እቲ ዝረኣ ዘሎ ምዕባለታት ዘይምርዳእ ስክፍታኦም ከም ዘስምዑን ካልእ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ድሮ ዘይተኣደነ ስቓይ ዝተጻወረ ህዝቢ ዘስዕቦ ዕንወት ኣጉሊሖም፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ኩነታት ብሃንደበት ምወላ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደው ብምባሉ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ከም ዝበሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

ሰብኣዊ ቅልውላው ብሃንደበት ምቁራጽ ምወላ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕ. መ. ኣመሪካ ይጋደድ

እቲ ብርእሰ ብሔር ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተወሰነ ምቁራጽ ምወላ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ነቲ ብዘይመንግስታውያን ትካላት ረድኤትን፣ ሃይማኖታውያን ትካላትን መንግስታዊ ትካላት ረድኤትን ዝካየድ ወሳኒ መደባት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ከም ዝጸለዎን። ማሕበር ረድኤት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ካብ ዝህባ ትካላት ብቐዳምነት ዝጥቀስ፣ በቲ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽንያት ስርሑ ደው ከም ዘበለን ኣብዚ እዋን እዚ ንንኣሽቱ ተበግሶታት ዝኸውን ውሱን ናይ ብሕቲ ምወላ ኣቢሉ ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ጥራሕ ተሓጺሩ ከም ዘሎን፣ ነዚ ሰብኣዊ ድሌታት ንምምላእ ኣማራጺ ኣገባባት ዘይምህላዉ ነቲ ቅልውላው ዝያዳ የጋድዶን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተቓላዕቲ ሰባት ብዘይ ደገፍ ክተርፉን ነቶም ገና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን 15 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ዝውክሉን ሓዊሱ ንከቢድ ስቓይ ክቃልዑ ይገብር ምህላዉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድጋፍ ብቐዳምነት ትስራዕ

ዋላ እኳ ከቢድ ጸገም እንተሃለወ፣ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝተጎድኡ ንዋታዊ ሓገዝን መንፈሳዊ ድጋፍን ኣብ ምቕራብ ወሳኒ ተራ ትጻወት ከም ዘላን፣ “ ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ክትስጉም፣ ንህዝቢ ተስፋ ክትህብ ምልክት ተስፋ ክትከውንን ትጽዕር . . . ኣብ ጎኒ እቲ ህዝቢ ደው ኢላ ካብቲ ስንባደ ኲናት ንኽትፍወስ ትሰርሕ ከም ዘላ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

(ምንጪ ሓበሬታ ፊደስን ካልኦት ማዕከናት ዜናን)

26 Mar 2025, 16:03