MAP

Displaced Sudanese children stand at Zamzam camp in North Darfur Displaced Sudanese children stand at Zamzam camp in North Darfur 

ጸብጻብ ዩኒሴፍ፦ ኩነታት ናይቶም ኣብ ሱዳን ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝተረፉ ቆልዑን ሕጻናት የመልክት

እቲ ኣብ ሓልዮ ቆልዑን ህጻናትን ዝነጥፍ ዮኒሴፍ እተሰምየ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ ቘልዑን ዕሴላትን ዚወርድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጻ ዚገልጽ ኣሰቃቒ ጸብጻብ ኣመሓላሊፉ። እቲ ጸብጻብ ኣብ መንጎ እቲ ዝቕስል ዘሎ ግጭታትን መጥቃዕትታትን ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ዘሎ፣ ጭካነ ዝመልኦ ኩነት ከም ምዃኑ የመላኽት። ነቶም ተነቀፍቲ ወገናት ንምዕቋብን ፍትሒ ንምርግጋጽን ቅልጡፍ ኣህጉራዊ ስጕምቲ ክግበረ ድማ ጻውዒት የቕርብ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ – ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ እቲ ንሃገረ ሱዳን ዘዕነዋ ዘሎ ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትታት፣ ዩኒሴፍ ዘቕረቦ ዘሰቅቕ ጸብጻብ ብዛዕባ እቶም ካብ ጾታዊ ዓመጻ ዝተረፉ ቘልዑን ህጻናትን ዘሕልፍዎ ዘለዉ መሪር ተመክሮ ኣጕሊሑ። እቲ "ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ቘልዑን ህጻናትን ዝፍጸም ዘሎ ምግሳስ ከምኡውን ጾታዊ ዓመጻ ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው" ዘርእስቱ ጸብጻብ፣ ካብ መጀመርታ 2024 ኣትሒዙ 221 ቈልዑ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተረፉን፣ ኣብ መንጐ እቶም ዝነኣሱ ግዳያት ናይዚ ዓምጻ ድማ ኣትባዕተ ዕሸላት ደቂ ሓደ ዓመት ከም ዝርከብዎም የጕልሕ ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ 221 ሰባት 66 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ፣ 33 ሚእታዊት ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ 16 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምዃኖም ኢዩ፣ ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ዕሸላት ደቂ ሓደ ዓመት ሕጻናት ይርከብዎም። እዚ ጕዳያት እዚ ኣብቶም ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝርከቡ ትሽዓተ ዞባታት ኢዩ ተዘርጊሑ ዝርከብ ዘሎ፣ እዚ ድማ ንባህርይ ናይቲ ቕልውላው ዘርኢ ከቢድ ምስሊ ኢዩ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር

ፋጢማ ኢብራሂም እትበሃል ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት እትሰርሕ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተመክሮኣ ትምስክር - "እዚ መጥቃዕቲ እዚ ዘምጽኦ ዕንወት ብዓይነይ ይርእዮ ኣሎኹ። ስድራ ቤታት ተበታቲነን ኢየን፣ እቲ ኣብዞም ሕጻናት እዚኣቶም ዘሕድሮ ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ኸኣ ከቢድ ኢዩ። እቲ ዝስከምዎ ዘለዉ ፍርህን በሰላን ብቓላት ኪዝረብ ዘይከኣል እዩ" ውን ትብል።

ካተሪን ራስል እትበሃል ናይ ማሕበር ዩኒሴፍ ፈጻዊት ኣካል ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝተሰምዓ ቍጥዓ ትገልጽ - "ዕጡቓት ሰብኡት ንቘልዑ ከም እኹላት ኣካልት ይዕምጽዎም ምህላዎም ንዅሉ ሰብ ብኡንብኡ ስጕምቲ ንምውሳድ ከሰንብዶ ኣለዎ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ በቲ ከም ስልቲ ውግእ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ምግሳስ ኰነ ካልእ ዓይነታት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ምጥሓስ ንዸምለኻዊ ሕጊ እዚ ዜስካሕክሕን ገበን ውግእ ኪኸውን ዚኽእልን እዩ። መወዳእታ ውን ክግበረሉ ኣለዎ" በለት።

እቲ ድምጺ ዘይብሉ ሓቂ

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣሃዛት ካብቲ ጠቕላላ ዝተፈጸመ ጕዳያት ገለ ሒደት ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ከመይሲ ካብቶም ብዙሓት ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ስድራቤቶምን ብዘንኪ ባይታ ዘምርካቦም፣ ብሰንኪ ፍርሒ ነውሪ፡ ካብ ማሕበረሰብ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ተነጽሎን ከምኡውን ካብቶም ዕጡቓት ተወሳኺ ዓመጽ ከይውርዶም ብምፍራሕ ንዝወርዶም ዘሎ ዓመጽ ንምግላጽ ኣይተኻእሎምን ዘሎ።

ምስቶም ግዳያት ዝኾኑ ቈልዑን ህጻናትን ዝሰርሕ ዘሎ ዶ/ር ኣሕመድ ኤል-ባሺር ክኢላ ሥነ-ኣእምሮ ውን ብወገኑ ከምዚ ብምባል ይገልጽ - "እቶም ብህይወት ዝተረፉ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ማሕበራዊ ነውሪ፣ ኸቢድ ሥነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ስልዝወረዶምን፣ ካብ ማሕበረሰብ ወይ ካብ ስድራቤቶም ብግዲ ተገሊሎም ኣደዳ ተነጽሎን ሕፍረትን ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ነባሪ ጽልዋ እዚ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ ዘተደልየ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ከምኡውን ከቢድ ኣካላዊ ጕድኣትን ዘጠቓልል ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ።"

ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ጻዕርታት

ዩኒሴፍ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ነቶም ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝተረፉ ሰባት ኣገልግሎት ዚህብ ውሑስ ቦታ ኣብ ምህናጽ ይዓዪ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ምስ ማእከላት ጥዕናን ተንቀሳቓሲ ክሊኒካትን ብምትሕብባር ከምኡውን ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ደረጃ ፍልጠ ሥነ - ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ስነ-ማሕበራዊ ደገፍን ክብ ንምባል ዘጠቓልል ኣገልግሎታት ኢዩ።

ብተወሳኺውን እዚ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጐዳኢ ማሕበራዊ ስርዓታትን ልምድታትን ንምውጋድ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ይዓዪ ኣሎ። ራስል ኣስዒቡ ከምዚ ይብል "እቲ ኣብ ሱዳን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጾታዊ ዓመጻ፣ ኣብ ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብ ቈልዑን ህጻናትን ራዕዲ ኣስዒቡ ኣሎ"። "እቶም ኣብ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ጕጅለታት ኰኑ፣ እቶም ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ነዚ ኣብ ልዕሊ ቘልዑን ህጻናትን ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ግፍዒ ደው ንምባል ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ ኣለዎም። እዚ በሰላ ውግእ እዚ ክግመት ዘይከኣል ነባሪ ሳዕቤን ክንዲ ዘለዎ።"

ስጕምቲ ንምውሳድ ዝቐረበ ጻውዒት

እዚ ኣብ ሓልዮ ቆልዑን ሕጻናትን ዝዓዪ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገረአት ዩኒሴፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጻውዒት የቕርብ፦

·      መንግስቲ ሱዳንን ኵሎም ሰልፍታትን ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዘለዎም ግዴታታት ብምሕላው ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ከኣ ንቘልዑ ከዕቁቡ ከም ዘለዎም ።

·      ነቲ ኣብ ጾታ እተመርኰሰ ዓመጻ፣ እንተላይ ነዚ ከም ሓደ ሜላ ውግእ ጌርካ ንጾታዊ ዓመጻ ምጥቃም ብህጹጽ መወዳእታ ክግበረሉ።

·      ዕዮ ህይወት ኣድሕን ንኽቕጽል ዜኽእሎም ኣድላዪ ኣቕረብቲ ኣገልግሎትን መሰረታዊ መዋቕርን ምዕቋብ ።

·      ሰብኣዊ ድሕንነት ዘለዎ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤትን ኣገልግሎትን ምድላው ከምኡውን ስድራቤታት ነቲ ዘድልየን ደገፍ ብደሓን ክረኽባ ከም ዝኽእላ ምግባር ።

·      ነቲ ናይ ግብረ - ሰናይ ምላሽ ንምድልዳልን ነቶም ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ዘተኣማምንን ስነ - ምግባራውን ናይ ምንጭታት ሓበሬታ ኣገባብ ቀዳምነት ምሃብ ።

·      ነቲ ኣብ ጾታ እተመርኰሰ ናይ ጾታዊ ዓመጻ ውሳነታት ንምምእራር ዚግበር መደባት ህይወት ከም ዜድሕን ጌርካ መርመራታት ምክያድ፣ ክብል ይጽዕ።

ኣብዚ ግጭታት እናቐጸለ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እቲ ቕልውላው ንኸየስፋሕፍን፣ ነቲ ኣብ ቈልዑን ሕጻናትን ዝወርድ ነባሪ ኣሉታዊ በሰላ ንምንካይን፣ ልዕሊ ዅሉ ህጹጽ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዚህቦ ምላሽ ንስቓይ እቶም ዝነኣሱን ተነቀፍትን ወገናት ሱዳን ኣብ ምፍታሕን ኣብ ምፍዋስን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብል መግለጺኡ ይድምድም።

04 Mar 2025, 13:36