ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ስግኣት ግጭት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እናገደደ ይኸይድ ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ኒኮላስ ሃይሶም፣ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ዘስካሕክሕ” እንክብል ገሊጹ፣ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ምክትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻርን ካብ ውልቃዊ ረብሓታት ንላዕሊ ንጠለባት ህዝቦም ቀዳምነት ክህቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናይ ዓመታት ግጭት፣ ኣብ 2011 ዓ.ም. ካብ ሱዳን ናጽነት ዝረኸበት ኮይና፡ ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ዓሌታዊ ፍልልያት ዝጸንዐ ኩናት ሓድሕድ ከም ዝጠሓለት ይንገር።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ሰራዊት ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ዳግማይ ብምሓዝ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኣንጻር ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ርኡይ ዓወት የምዝግብ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፣ ሚኒስተር ዜና ሱዳን ካልድ ኣል - ኣይዘር፣ ምሉእ ዓወት ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ከምዝቕጽል ከረጋግጽ እንከሎ፣ ሓላፊ ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ ዸም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላዉ ኣፍሊጡ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፣ ሚልዮናት ተመዛቢሎም፣ ዘሎ ጥሜት ድማ ንገሊኦም ኣባይቲ ስድራ ብህይወት ንምንባር ክሳብ ሳዕሪ ንምብላዕ የገድዶም ኣሎ። እዚ ቅልውላው፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ርእሰ ብሔር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፣ ንዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዝተኣታተወን፣ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር ኣብ 2021 ዓ.ም. ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ካብ መገዲ ወጺኡ፣ ኣብ 2023 ዓ.ም. እቲ ወጥሪ እናዓበየ ናብ ምሉእ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳንን ተሰጋጊሩ ከም ዘሎን፣ ክልቲኦም ወገናት በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክስታት የጋጥሞም ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።