ውድብ ስራሕተይናታት ኩርዲስታን ምስ ቱርኪ ስምምዕ ደው ምባል ተኹሲ የረጋግጽ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጎ (PKK) ጉጅለ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታንን ቱርክን ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ነቲ ን41 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ንሓዋሩ ደው ዘብል ክኸውን ከም ዝኽእኽል ክንገር እንከሎ፣ እዚ ውሳነ ካብ 1999 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ቤት ማሕቡስ ቱርክ ዝርከብ መራሒ (PKK) ጉጅለ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን ዓብደላ ኦዣላን ዘቕረቦ ጻውዒት ስዒቡ ዝተበጽሐ ምዃኑ፣ ምንጭታት ሓበሬታ ቱርኪ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ውድብ ሰራሕተይናታት ኩርዲስታን፣ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ቱርኪ ነቲ ናይቲ ውድብ መራሒ ኦዣላን ክትፈትሖ ተስፋ ከም ዘሕደረሉ ከፍልጥ እንከሎ፣ ርእሰ ብሔር ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን እውን ብወገኑ፣ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ግብረሽበራ ቀንዲ ዕንቅፋት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኮይኑ ከም ዝጸነሐ ኣስሚሩ፣ እቲ ስምምዕ ግብረሽበራ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ክኸውን ከም ዝኽእል እንክሕብር፡ ሕጂ እውን እንተኾነ መንግስቲ ቱርኪ ንህልው ኩነታት ብንቕሓት ክከታተል እዩ እንክብል የረጋግጽ።
(PKK) ጉጅለ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን፣ ኦዣላን ብናጽነት ክሰርሕን ዝምድናታት ክምስርትን መታን ዝነብሮ ዘሎ ኩነታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ክመየሓየሸሉ ከም ዝሓተተን እዚ ጉጅለ ካብ 1984 ዓ.ም. ጀሚሩ ነቲ ካብ ጠቕላላ ህብዚ ቱርኪ ኣስታት 20 ሚታዊ ዝሽፍን ኩርዳውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክህልዎም ዝሓትት ናዕቢ ዘበገሰ ኮይኑ፣ እቲ ውድብ ሰራሕተይናታት ኪርዲስታን ብሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ከም ዝግለጽን፣ እቲ ናዕቢ ካብ ዝጅምር ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢንዱስትሪ ነፈርቲ ቱርኪ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።