MAP

Refugees in IDP camp as more than 335,000 people in Myanmar have been displaced

ዸምለኻዊ ምቁራጽ ሰብኣዊ ረድኤታት ንስቓይ ምያንማር የጋድዶ ኣሎ

ኣብዚ ብሰንኪ እቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ዝገብር ዘሎ ወተሃደራዊ ጃንታ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ኣብ ምያንማር ስቓይ እናቐጸለ ኪኸይድ ከሎ ሰብኣዊ ረድኤት ምግቢ ምንካዩ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ተወሳኺ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም ይርከብ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምያንማር ምንካይ ሰብኣዊ ናይ ግበረ ሰናይ ረድኤት፣ ነቲ ድሮ ኣዕናዊ ዝዀነ ናይታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጸቢቑ ከም ዘጋድዶ ዩሲኤ (UCA) ዝተሰምየ ትካል ኣገልግሎት ዜና ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ እቲ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት እተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ወተሃደራዊ ጃንታ ዘስዓቦ ናዕብን ዳርጋ 20 ሚልዮን ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰባት ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።

ዕጣቂ ውግእ ኣብ ብምሉኡ እታ ሃገር ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ወተሃደራት ዘሎ ከባቢታት ሓድሽን ንቡርን ተርእዮ እናዀነ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ዋጋ ምግቢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ሓደ ሲሶ ተቐማጦ እታ ሃገር ድማ ናይ ቀረብ መግቢ ሕጽረታት ከም ዘጋጥሞም ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቕቕ።

ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ግፍዒ ይወርዶም ኣሎ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ቅትለትን ስቓይን ጾታዊ ዓመጽን፣ ደብዳባት ቦምባታትን፣ ምዝራፍን ምዕናው ንብረት እንተላይ ኣባይትን ኣብያተ - ክርስትያናትን ዜጠቓልል እዩ።

መጽናዕትታት ው. ሕ. ሃ. ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ናይ ሕርሻ መሳርሒታት የዕኑን፣ ንዓበየቲ ቦታት ሕርሻ ድማ ብነተጕትን ዘይተፈንጀርትን የዕንዎ ኣሎ፣ እዚ ድማ "ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ መግቢ ከም ዘጋደዶን ከቢድ ብድሆታት ይፈጥር ኣሎ።" ካልኦት ትካላት ከኣ ብሰንኪ ምምዝባል ሰባት እተፈላለዪ ቦታታት ስራሕ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከም ዘጋጥሞም ዘሎ ይሕብራ ኣልዋ።

ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ዓለማዊ መደብ ምግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምያንማር ዚነብሩ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ብሰንኪ ምንካይ ባጀት ካብ ረድኤት ምግቢ ክረኽብዎ ዝግባእ ሓገዛት ስኢኖም ከምዝለዉ ኣጠንቂቑ።

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዶናል ትራምፕ ብዘጽደቖ ትእዛዝ መሰረት ብ ዕለት 20 ጥሪ ናይ ወጻኢ ረድኤት ደው ስለ ዝበለ፣ እንተላይ ትካላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ እተፈላለየ መደባት ብህጹጽ ኸም ዘቋረጸን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዚርከባ ሆስፒታላት ብሃንደበት ከም እተዓጽዋን ገሊጹ።

18 Mar 2025, 15:32