ምግምጣል ስደተይናታት ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመንን ጂቡትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተይናታት ዝጸዓና ኣርባዕተ ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመንን ጅቡትን ከም ዝተገልበጣን ብውሕዱ ክልተ ክሞቱ እንከለዉ 186 ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠን፣ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት - IOM - ክልተ ካብተን ጀላቡ ሓሙስ ዕለት 6 መጋቢት ኣጋምሸት ኣብ ማያት የመን ከምዝጠሓላን ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ፡ 181 ስደተይናታትን ሓሙሽተ የመናውያን ኣባላት መርከብን ሓዊሱ ገና ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ክልተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ካብተን ናይተን መራኸብ ሰራሕተይናት ገሊጾም፡ እተን መራኽብ ካብ ዓቐን ብዙሓት ስደተይናታት ጽዒነን ከም ዝነበራ እውን ከም ዝሓበሩ፣ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ጠቒሱ እንከመላኽት፡ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ እውን፣ እቶም ተሳፈርቲ 57 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦ ብቐንዱ ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ከም ዝነበሩን፣ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ክበጽሑ ተስፋ ብምግባር ነቲ ሓደገይና ጉዕዞ ባሕሪ ዝገጥሙ ምዃኖም የመላኽት።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፣ ክልተ ተወሳኺ ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ከም ዝተገልጠባን ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ናይ ክልተ ሰባት ሬሳታት ከም ዝረኸቡን፣ ካልኦት ኩሎም ኣብዘን ክልተ መራኽብ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ድማ ካብ ሞት ከም ዝተረፉ እውን ከም ዘፍለጡን፣ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፣ እቲ ሓደጋታት ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ብርቱዕ ንፋስ ምኽንያት ዘጋጠመ ኮይኑ፣ እተን ንኣሽቱን ጀላቡ ልዕሊ ዓቐን ተሳፈርቲ ጽዒነን ከም ዝነበራ እንክሕብሩ፣ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት - IOM ኣብ ስግር ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ዝካየድ መስመራት ጉዕዞ ስደት ሓደገይና ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።
እዚ ማያት እዚ በብዓመቱ ንኣሽሓት ስደተይናታት ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃብተማ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዕድላት ስራሕ ንኽደልዩ ንዝስደዱ ከም መተሓላለፊ መንገዲ ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ይኹን እምበር፣ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጉዕዞታት ብሰንኪ ንባሕሪ ዘይበቕዓ ጀላቡን ንኣሽቱ መራኽብን፣ ልዕሊ ዓቐን ስደተይናታት ስለ ዝጽዕናን እዚ እውን ምስቲ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየርን ተሓዊሱ ብቐሊሉ ንሓደጋ ዝቃልዓ ምዃነን ዝሓበረ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት፣ ስደተይናታት ብተደጋጋሚ ካብ ድሕነት ንላዕሊ ንመኽሰብ ቀዳምነት ዝህቡ ዘይሕጋዊ ስደተይናታት ብዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ከም ዝምዝመዙን እዚ ድማ ብዙሓት ንመጉዳእቲ ወይ ሞት ተቓላዕቲ ከም ዝገብሮምን ኣዘኻኺሩ፣ ካብቲ ዘጋጠመ ናይ መራኽብ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ናይ ምርካብ ተስፋታት ዝሃሰሰ እኳ እንተመሰለ፣ ምድላይ እቶም ዝጠፍኡ ይቕጽል ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት - IOM ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።