ኣይቮሪኮስት፡ ዓቢይ ጾምን ራሞዳንን 2025 ዓ.ም. ንሰላማዊ ሕዝባዊ ምርጫ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሎሚ ዓመት እውን ዓቢይ ጾምን ራሞዳንን ኣብ ሓደ እዋን ተጋጢሙ ይንበር ከም ዘሎን፣ ካብ 5 መጋቢት ረቡዕ ሓሙኹሽቲ ብዝጽዋዕ ስርዓተ ኣምልኾ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም. ዝተጀመረን ዕለት 20 ሚያዝያ ብጽምብ በዓል ፋሲካ፡ መዓልቲ ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዛዘም፡ ራማዳን፡ ቅድሚ 4 መዓልታት ዝጀመረ ናይ ኣስላም ጾም እዋን፡ ዕለት 30 መጋቢት 2025 ዓ.ም. ብዝጽንበል በዓል ዒድ ኣልፈጥር ዝዛዘም እዩ። ኢብራሂም ኮኔ፡ ኣይቮርያዊ ኢማም መስጊድ ኣቦቦ ስገፊሃ፣ ኣባል ሃገራዊ መድረኽ ሃይማኖታዊ ኑዛዜታት ኮትዲቫር፣ ነዚ ሓድሽ ኣጋጣሚ "ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ጸጋ" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ንሰላማዊ ምርጫ ርእሰ ብሔር
ብተወሳኺ፣ ንዞም ኣይቮርያዊ ኢማም፡ እዚ “ጽቡቕ ኣጋጣሚ” ኣብዚ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ዓመት ኣብ ኮትዲቫር ምሉእ ትርጉሙ ይሕዝ። "እዚ ምቹው ህሞታት ምእንቲ ሰላም ሃገርና ብሓባር ክንጽሊ እግዚኣብሄር ዝሃበና እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኮትዲቫር ብዙሕ ኑዛዜታት ዝሓቖፈት ሃገር ብምዃና፡ ኢማም ኮኔ፣ "ኣብዚ ናይ ጸጋ እዋን ክርስትያንን ኣስላምን ኣይቮሪኮስት ንዕዉት ምክያድ ምርጫ ርእሰ ብሔር ዕለት 25 ጥቅምቲ 2025 ዓ.ም. ብጸሎት ክጥርነፉ" ዓዲሞም፣ "ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና፡ ኣብ መካነ መቕደሳትናን ኣብ መሳጊድናን፡ ኣምላኽ ልቢ ፖለቲከይናታት ክቕይር፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ህዝብን ስኒት ክህሉ፣ ንጽቡቕ መላእ ኣይቮርያውያን ክንጽሊ ኣሎና" እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ከምኡ’ውን ሕጹያት ተመረጽቲ ክኾኑ ዝኽእሉን ኩሎም ኣብዚ መስርሕ ምርጫ ዝሳተፉን ብፍትሕን ብዘይጎነጽን ክዋስኡ ተላብዮም፣ "ብዋጋ ናይዚ ጻዕርታት እዚ፣ ምሸት ዕለት 25 ጥቅምቲ፡ ኣይቮሪኮስት መዕቆቢ ሰላም ኮይና ክትቅጽል እያ" እንክብሉ ኢማም ኮነ ብኣጽንዖት ይገልጹ፣
“ዓቢይ ጾምን ራማዳንን፡ ቤት ትምህቱ ሕንጸት እያቶም
ካብዚ ሓሊፉ ኢማም ኮኔ ራሞዳንን ዓቢይ ጾምን፣ “ቤት ትምህርቲ ሕንጸት” ምዃኖም ድማ ገሊጾም፣ “እዘን ክልተ ኣገደስቲ ናይ ጸሎት እዋናት፡ ምስ እግዚኣብሔር ዝዓሞቐ ናይ እምነት ሕይወት ክህልወና ይምህራና፣ “እዚኣተን ብቀጻሊ ብመገዲ ተጋድሎን፡ ብለጋስነትን፡ ይቕሬታ፡ ምክፋልን ልዕሊ ኹሉ ድማ ብሕድገት ሓጢኣትና ነፍስና ብምንጻሕ ናብ እግዚኣብሔር ብቐጻሊ ንኽንምለስ ይድርኻና” ዝበሉ ኣባል ሃገራዊ መጋባእያ ሃይማኖታዊ ኑዛዜታት ኮትዲቭዋር፣ ወርሒ ራማዳንን ዓቢይ ጾምን፣ "ኣብ ኮት ዲቭዋር ዚነብሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ክርስትያናትንን ዓሌቶምን ሃይማኖቶምን ፖለቲካዊ ምትእስሳርን ኣፋላላይ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣይቮርያውያን ዕርቂ ፍቕሪ ምርዳዳእ ከምኡውን ማሕበራዊ ሓድነት ንኺረኽቡ ብቐጻሊ ክጽልዩ ዝድርኾም እዋን ክኸውን" ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።