MAP

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ምቁራጽ ሓገዝ እስራኤል ኣብ ቓዛ ይኹንኑ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ምቁራጽ ሓገዝ እስራኤል ኣብ ቓዛ ይኹንኑ 

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ምቁራጽ ሓገዝ እስራኤል ኣብ ቓዛ ይኹንኑ

ውድብ መግቢ ዸም ኣብ ቓዛ ዝርከብ ዕቑር መግቢ ንኽልተ ሰሙን ጥራይ ዝኣክል ምዃኑ የጠንቅቕ። መራሔ መንግስቲ እስራኤል፣ ሓማስ ቀረብ መግቢ ይዘምት ምህላውን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንምንዋሕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘቕረበቶ እማመ ብምንጻጉን ናብ ቓዛ ዝግበር ናይ መግቢ ሓገዝ ክቋረጽ ብምውሳኑ፣ ዋጋታት መሰረታዊ ኣድላይነታት ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ክብ ክብል ይድርኽ ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል 2 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረብን ምቁራጻ፡ ዋጋታት መሰረታዊ ኣድላይነታት ክውስኽ ይገብር ምህላውን ዝተፈላለያ ትካላት ረድኤት ዝህብዎ ደገፍ ናብቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ጥራሕ ንኸብጽሑ ዘገድድ ኵነት ይፈጥር ምህላዉን ሰራሕተይናስታት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ምዕራፍ ሓደ ናይቲ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ጥሜት ንምክልኻል ዘመዝገብዎ ምዕባለ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ፣ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ኲናት፡ ህዝቢ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ረድኤት ወጻኢ ዝምርኮስ ኮይኑ ከም ዘሎ ይንገር።

እስራኤል እቲ ከበባን እገዳ ሓገዝን፣ ሓማስ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምንዋሕ ተኹሲ ደው ምባል ንኽቕበል ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዘፍለጠትን፣ እስራኤል ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ምስ ሓማስ ዝበጽሓቶ ስምምዕ ንምስግጋር ብዝተካይዶ ዘላ እገዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ክደናጎይ ትገብር ከም ዘላ ኣሶሺየት ፕረስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

ጥምየት ክህሉ ዝገብር ‘ስርዓት’

መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትማሊ ዕለት 4 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጸቕጢ ንምዕባይ ድሉው ምዃኑን፡ ሓማስ እንተዘይተማእዚዙ ድማ ኩሉ ናብ ቓዛ ዝቐርብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቁራጽ ክንግደድ ኢና ከም ዝበለን፣ ነዚ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፣ “ደይ መደይ ኢሉ ጥምየት ክህሉ ዝግበር ውሳነ እዩ” እንክብሉ ንውሳነ መንግስቲ እስራኤል ኮኒኖም፣ ኣብ ኣርባዕተ መዓልታት፡ እቲ ቐንዲ ትካል ምግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ቓዛ ንኽልተ ሰሙን ጥራሕ ዝኣክል ዕቑር መግቢ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ባይቶ ስደተይናታት ኖርወይ ኣብ ቓዛ እውን ንመዕቆቢ ዝኸውን ዕቑር ቴንዳታት የብለይን ከም ዝበለ ኣሶሺየት ፕረስ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሓላፊ ርክባት እቲ ትካል፣ እኹል ረድኤት እንተ ዝህሉ ነይሩ፣ "ብሰንኪ ሕጽረት መጽለሊ ናውቲን ውዑይ ክዳውንትን ግቡእ መሳርሒታት ሕክምናን ዝሞቱ ዕሸላት ኣይምሃለዉን” ከም ዝበለት ኣፍሊጡ።

06 Mar 2025, 16:44