ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኢንዶነዥያ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃይማኖታዊ መዳይ ዘለዎም ጽልዋ ዘትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ጃካርታ ምስ ዝርከብ ኣትማ ጃያ እተሰምየ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ካብ 3 - 6 መስከረም 2024 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዦያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፣ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ተገበረሉን፣ ንዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝምልከት፣ 33 ፍሉጣት ናይ ኢንዶነዥያውያ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣካላት ዘለዎም ኣረኣእያታት ዝምልከት ኮይኑ፣ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስታት ድማ፣ እምነት፡ ሕውነትን ርህራሄን ዝብል ምንባሩ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።
ርክብ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ክድልድል
ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢንዶነዥያ ፕሮፌሰር ናሳሩዲን ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ ኣብዚ እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ሃዋህው፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ስኒት ምዕባይ ህጹጽ ምዃኑ ኣስሚሩ፣
“እዋናዊ ብድሆታትና ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ዘስፍሕ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ዝምድናታት ዘደልድል ቦታታት ምፍጣር ዝሓትት እዩ። እቲ ዝሓንጸጽናዮ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ካብ ጽልኢ ነጻ ዝኾነ፣ ድልዱል ሃይማኖታዊ ርድኢት ዘለዎም ናይ መጻኢ ወለዶታት ንምቕራጽ ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ . . .፥ ዝበለ ፕሮፌሰር ናሳሩዲን ፡ ዓቢ ኢማም መስጊድ ኢስቲቕላል ነበር፣ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቀጽሪ እቲ መስጊድ ዝገበርዎ ውልቃዊ ርክብ ብምዝካር፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ጭቡጥ ዘተ ዝገልጽ ርኡይ ህሞት እዩ” ከም ዝበሉን በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ተጋባእያን ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዥያ ዘካየድዎ ዑደት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ኣብ ምድንፋዕ ናይ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ምዕራፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ተወኪሱ ይሕብር።
ኣብ መግኖ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ
ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ፕሮፌሰር ብያንቶ፣ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጉዳያት መባእታን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቲ ሓላፊ፣ ነቶም ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘዳለዉን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ዘተባብዑን ንዝገብርዎ ጻዕሪ ንኢዱ፣ “እቶም ጸሓፍቲ ነቲ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዢያ ዘካየድው ምብጻሕ “ሰላም ነጋዲ ተስፋ” ብዝብል ኣርስቲ ንዝደረሰዎ መጽሓፍ ኣመስጊኖም፣ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ንብዙሓት ዘነቓቕሕን ናይ ሕውነት ስምዒትና ዝያዳ ዘደልድልን ምዃኑ ኣብሪሆም፣ እዚ ኣብ ዘተ ዝተሞርኮሰ ርክባት ክቕጽል፣ ናይ ዘተ ቦታ ከስፍሕን ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ከደልድልን ተስፋ እገብር” ከም ዝበለ ሊካስ ኣገልግሎ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣቦ መንበር ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣትማ ጃያ ፕሮፌሰር ዶክተር ዩዳ ቱራና፣ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣቃሊሑ፣ እቲ ምትእኽኻብ ኣብ ምድንፋዕ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዘለዎ ትርጉም ኣስሚሩ፣ “እዚ ፍጻመ እዚ ንኣድማሳዊ ክብርታት ከም ፍቕሪ፡ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዘራኽብ ድልድል ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ነዚ መሰረታዊ ክብርታት እዚ ንኹሎም ኢንዶነዥያውያን ስኒት ዘለዎ መጻኢ መሰረት ምዃኑ ንምጉላሕ እውን ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።
ተወፋይነት ንሕውነትን ማሕበራዊ ፍትሕን
ናይ ኢንዶነዥያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ኣንቶንዮስ ሱብያንቶ ቡንጃሚን፣ እዚ መደብ ሕውነት ንምሕያልን መልእኽቲ ርህራሄን ምትሕግጋዝን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንምቕጻል ወሳኒ ህሞት ምዃኑ ገሊጾም።
“እዚ መንፈስ’ዚ ብቐጻሊ ክስስንን ንሓድነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ኢንዶነዥያ ዝጭበጥ ረብሓ ከም ዘምጽእን ከነረጋግጽ ይግባእ” ከም ዝበሉን ኣካያዲ ስራሕ ትካል ፍራንስ ሰዳ ስቴፋኑስ ጊንቲንግ፡ እቲ “ሰላም ነጋዲ ተስፋ” ብዝብል ኣርስቲ ዝተደረሰ መጽሓፍ ንምምራቕ ኣሚቱ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣ ብዛዕባ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕብረተሰብ ኢንዶነዥያ ዘለዎ ሰፊሕ ጽልዋን ህዝባዊ ርድኢት ኢንዶነዢያን ከዕምቖ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፣ “እዚ ህሞት’ዚ ሓቀይና ሕውነት፣ ሰብኣውነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምዕባይን ራእይ ሰላማዊት ኢንዶነዥያ እናደገፈን ከም ናይ ጸጋ ግዜ ክሕቆፍ ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።