MAP

ኣብ ሃይቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ይመዛበሉ ኣብ ሃይቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ይመዛበሉ 

ኣብ ሃይቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ይመዛበሉ

ኣብ ሃይቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ከም ዘመዛበለን። ኣብቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ንህዝቢ እታ ሃገር ዘሳቕዮ ቅልውላው፣ ነቶም ዝሓሸ መጻኢ ንዝሓልሙ ቈልዑ ውሑስ መዕቆቢ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ የዕንው ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃይቲ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ሰባት ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ቅልውላው  እናገደደ ይኸይድ ምህላዉን፣ ከም ወትሩ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ድማ ሕጻናት ከም ዝኾኑን፣ እቲ ካብ መዓልቲ ናብ ማዓልቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው፣ ኣብያተ ትምህርትን ብጠቕላላ መውሃብ ኣገግልግሎት ዘበለ ኩሉ የዕንው ንህላዉን፣ ኣብታ ሃገር ኣቢያተ ትምህርቲ ንድኻታት ኣባይቲ ስድራ ውሑስ መዕቆቢ ከም ዝነበራ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ትምህርቲ ከም መስመር ህይወት

ኣብ ወርሒ ጥሪ ጥራሕ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ንዝርከባ 47 ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነዉን፣ ኣብ 2024 ዓ.ም. 284 ኣብያተ ትምህርቲ ዒላማ ብምግባር ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ዝመሃሩሉ ቦታ ከስእኑ ከም ዝገበሩን፣ እቲ ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ እታ ሃገር ካብ ድኽነት ንኽላቐቝ ዘተባብዕን ዝድግፍን ትሐተ ቕርጺ ምዕናው፣ ሕጻናት ዝረኽብዎ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይህሉ ዝገብርን፣ መዕቆቢ ከይረኽቡ እውን ዝድርኽ ምዃኑ ይንገር።

እናበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት

ሓይቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጸገም ዝነበረት ሃገር ኮይና፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል፣ እቲ ቅልውላው እናዓሞቐ ከም ዝመጸን፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እናወሰኸ፣ ዓመጽ ጕጅለታትን ቁጠባዊ ጸገማትን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ከም ዘሎን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዕጡቓት ጉጅለታት ንፖርት - ኦ - ፕሪንስ ሓዊሱ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ከም ዝኾኑን፣ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ክንክን ጥዕናን ካልኦት ኣገደስቲ ትሕተ - ቅርጽን ዒላማ ብምግባር፣ ስቓይ ህዝቢ ክግመት ናብ ዘይከኣል ደረጃ የብጽሑ ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 28 ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝፈጸምዎ ወራር፣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሕጻናት ኣብ ገጾም ዝረአ ዝነበረ ፍርሕን ንኸይንቀሳቐሱን ኣብ ባይታ በጥ ኢሎም እንከለዉ ዘርኢ ዝተቐርጸ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስሊ፣ ነቶም ሕጻናት ዘይሃስስ በሰላ ከምዝፈጥረሎም ኣብታ ሃገር ዝርከብ ጨንፈር ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓደጋ ምልመላ

ኣብ ሃይቲ ወኪል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጂታንጃሊ ናራያን ዕለት 28 ለካቲት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ዘለዎ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣስሚራ፣ “ትምህርቲ - ንብዙሓት ህጻናት ናይ መወዳእታ ተስፋን ንወለዲ ድማ ቀዳምነት ዝወሃቦን - ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ክወድቕ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ከም ዝበለትን፣ ብመሰረት ዝሃበቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ሃይቲ ካብ ሸውዓተ ህጻናት ሓደ ሕጂ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኮይኑ ከም ዘሎን፣ ኣስታት ሚልዮን ዝግመቱ ካልኦት ድማ ትምህርቲ ናይ ምቁራጽ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን፣ ናይዚ ሓደጋ እዚ ሳዕቤን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ከምዝኾነን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝዕስክሩ ብዝሒ ህጻናት ብ70% ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ መብዛሕቲኦም እዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ዳርጋ ፍርቆም ብቈልዑ ዝቘሙን፣ ገሊኦም እውን ሸሞንተ ዓመት ዘለዎም ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ሃይቲ፡ ደቆም ትምህርቲ ንኽረኽቡ፣ ርኡይ ክፋል ኣታዊታቶም ይስውኡ ከም ዝነበሩን ይኹን እምበር፣ ሕጂ ብዙሓት ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጠባዊ ጸገማት የጋጥሞም ስለ ዘሎ፣ ምስቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ እቶም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ኺሰዱ ዚኽእሉ እውን ከይተረፉ ደቆም ከምህሩ ኣብ ዘይክልሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑ የመላኽት።

ውሑስ ቦታታት ምህናጽ

UNICEF - ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ብምትሕብባር በቲ ዓመጽ ዝተጸልወ መደብ ትምህርትን ኣባያቲ ትምህርትን ንምሕዳስ፣ ግዝያዊ ናይ ትምህርቲ ቦታታት ንምፍጣርን ዝተመዛበሉ ህጻናት ትምህርቲ ክረኽቡን ይሰርሕ ከም ዘሎን፣ ንዝጠፍአ ናይ ትምህርቲ ግዜን ንናይ ኣባይቲ ስድራ ጾር ወጻኢታት ትምህርቲ ንምቅላልን ናይ ቤት ትምህርቲ ናውትን ገንዘባዊ ሓገዝን ይህብ ከም ዘሎ ኣመላኺቱ፣ ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ነቲ ዝጻወርዎ ዘሎ ከቢድ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ኣካልዊ ማህሰይትን ንኽብድሁ ዝሕግዝ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮን ማሕበራውን ደገፍ ዘቕርብ እውን እንተኾነ፣ መሰረት ኩሉ ዝኾነ ሃይቲ ኣዝዩ ዘድልያን ዝግብኣን ሰላምን ምርግጋእን ህጹጽ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Mar 2025, 14:55