ተስፋ ሃይቲ ኣብ ሕዝባዊ ምርጫ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓድሽ ናይ መሰጋገሪ ባይቶ ሃገረ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ፍሪትዝ ኣልፎንስ ጂን፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ናይ ጎደናታት ሸፋቱ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቓዕቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ክሕብር እንከሎ፣ እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ጎደናታት ሸፋቱ ንሰማንያን ሓሙሽተን ሚእታዊት ከተማ ይቆጻጸሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ፣ “ሃገርና ኣብ ኲናት እያ ዘላ፡ ንኽንዕወት ድማ ክንጥርነፍ ኣሎና” እንክብል ብትሪ የጠንቅቕ።
ዋላ እኳ ብዸም ደረጃ ምምሕዳር ትራምፕ ብናይ ሃገሮም ህዝባዊ ባይቶ ዝምወል ንድኻታት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ መዳይ ሓገዝ ዘቕርብ USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ስርሑ ከቋርጽ ዘመሓላለፎ ተፈጻሚ ውሳኔ፣ ንኣማኢት ሚሊዮናት ዜጋታት ዸም ዝጎድእ ምዃኑን፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኬንያ ዝምራሕ ዝተዋፈረ ህብረ ሃገራዊ ዓቃቢ ሰላም ዝህቦ ደገፍ ዘየቋርጽ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብተሌፎን ንርእሰ ብሔር ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከም ኣረጋገጸን፣ ኣብዚ ተልእኽ እዚ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኬንያን ዘሎ ምትሕብባር ንምሕያል መንግስቶም ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ኬንያ ጠቒሱ የመላኽት።
እዚ ሓይሊ ጸጥታ ፈለማ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃይቲ ኣገልግሎት ክህብ ፍቓድ ዝረኸበ ከም ዝኾነን፣ ነቲ ኣብ ዕግርግር ዘሎ ሕግን ስርዓትን ሃይቲ ናብ ንቡር ንኽምለስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንዘሎ ተስፋ ዝውክል ምዃኑ ይንገር።
እቲ ድሮ ከቢድ ዝነበረ ኩነታት፣ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብኮሎምብያውያን ዕሱባት ድሕሪ ዝተፈጸመ ቅትለት ርሰሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ፣ ገዲዱ ምሉእ ብምሉእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ህላወ ዲሞክራሲ ኣብ ሃይቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑን ኣሽሓት ተቐቲሎምን፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣልቦ ቤት ከም ዝገበረን ይፍለጥ።