MAP

Palestine Today journalist killed in airstrike on Khan Younis Palestine Today journalist killed in airstrike on Khan Younis  (ANSA)

ግብጺ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብዝወኸ መጠን ኣብ ቃዛ ተኹሲ ናይ ቍራጽ ውዕል ክግበር እማሜ ተቕርብ

እቲ ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል ካብ ዘብቅዕ ኣትሒዙ ኣብ ጋዛ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 700 ወሲኹ ብምህላዉን፣ ብድምር ድማ ልዕሊ 50,000 ዝዀኑ ሰባት ብሞት ተቐዚፎም ብምህላዎም፣ ሃገረ ግብጺ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ሓድሽ መደብ ኣውጽአት ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ግብጺ ነቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ኩነታ ሰላም ንምስፋን ሓድሽ መደብ ውዕል ምቍራጽ ተኹሲ ኣቕሪባ ኣላ፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ሰበ -ስልጣን ጥዕና ፍልስጥኤም ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ብናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ነፈርቲ እንተ ወሓደ 65 ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻብ  ድሕሪ ምሃቦም ኢዩ ዝኾነ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን እተኣታተወ ሓድሽ ውዕል ምቍራስ ተዅሲ ድሕሪ ምብቅዑ፣ ካልእ ንምባል ዝቐረበ ሕቶ እስራኤል ነቲ ንኽልተ ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ልዕሊ ሃማስ ናይ ኣየርን መሬትን ንጥፈታት ድሕሪ ምቕጻላ ዓመጽ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ናይ ሰበ ስልጣን ጥዕና ፍልጤም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ መጥቃዕቲ ዳግም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዳርጋ 700 ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ከም እተቐትሉ ይገልጹ ኣለዉ፣ ካብዚኣቶም እንተ ወሓዱ 400 ኣንስትን ቈልዑን ይርከብዎም። እዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመ ሞት ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ቃዛ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ናብ ልዕሊ 50,000 ወሲኹ ኣሎ።

ውጥን ምቍራጽ ተዅሲ

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ዝወጸ ውጥን ሃገረ ግብጺ፣ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ሰሙናዊ ሓሙሽተ እስራኤላውያን ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝፈትሑ እስራኤል ከኣ ድሕሪ እታ ቐዳመይቲ ሰሙን፣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ከም እተብሎ ዝገብር ኢዩ። ጉጅለ ሓማዝ ዛጊት ክሳዕ ሕጂ 59 ሰባ ካብ ሕጂ ከም ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣ ካብዚኣቶም 24 ብህይወት ከም ዘለዉ እዩ ዚእመነሉ ዘሎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጉጅለ ሓማስን ነዚ ሓሳብ እዚ እኳ እንተ ተሰማምዑሉ እስራኤል ግን ገና መልሲ ኣይሃበትን ዘላ።

እቲ ብሃገረ ግብጺ ዝቐረበ እማሜ እስራኤል ነቶም ጅሆ ዝሓዘቶም ሰባት ምእንቲ ኽፍትሑ ብናይ ሕ. መ. ኣ. ውሕስነት ተደጊፉ ኻብ ቃዛ ምሉእ ብምሉእ ከም እትወጽእ ዝገልጽ ገደብ ግዜ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ጉጅለ ሓማስ ነቲ እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥሪ እተገብረ ውዕል ምቍራጽ ተኹሲ ከም ዝጠሓሰቶ እኳ እንተ ተቐበሎ ጽኒሑ ከም ዝኸሳ ብምግላጽ ሕጂ ግን ንዘተ ክፉት ምዃኑ እዩ ዚንገር ዘሎ።

ራፋ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እስራኤል ከም ዝገለጸቶ እቲ ወተሃደራዊ ንጥፈታታ ንሓማስ ቶም ጅሆ ሕዝዎም ዝሎ ሰባት ንኽፈትሖም ጸቕጢ ንምፍጣር እምበር፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጕድኣት ከም ዝንኪ ብምግላጽ ንዘሎ ኰነታት ኣመልከተት። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ሓይልታት እስራኤል ናብቲ ኸባቢ ኣጸቢቖም ኣብ ዝኣትውሉ ዝለዉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ቴል ኣል-ሱልታን ኣብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ወዲቖም ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣስታት 124,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ እተዓገተ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤትን፣ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋ ምግብን፣ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታዊ ነገራትን፣ ከምኡ ውን እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ዕንወት ዜጠንቅቕ እዩ።

25 Mar 2025, 15:24