መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ኲናት ቓዛ ይዛተዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ጉባኤ ብርእሰ ብሔር ምስሪ ዓብደል- ጋታሕ ኣል ሲሲ፣ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዊሱ፣ መራሕቲ ዞባታት ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፣ ንዝኾነ ድሕሪ ኲናት ዝቐርብ ውጥን ደገፎም ወሳኒ ከም ዝኾነን፣ እቲ ዘተ ከተማታታ ዳግማይ ክህነጻ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ውሽጢ ቓዛ ክሳብ ዳግመ ሕንጸት እቲ ዝዓነወ ኣባይትን ትሕተ ቅርጽን፣ ኣብ ተንቀሳቓሳ ኣባይት መጽለሊ ክረክብን፣ ሓማስ ድማ ክሳብ ሓደ ዝተሓደሰ ፍልስጥኤማዊ በዓል መዚ ዝፍጠር፣ ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ስልጣን ክሕዝ ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓልል ምዃኑ ይንገር።
እዚ ናይ ዓረብ ሃገራት መራሕቲ ተበግሶ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ መንግስቲ ሃገሮም ንኣስታት 2 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክጣየሱ ነቲ ብኲናት ዝዓነወ መሬት ዋንነት ወሲዱ ናብ ናይ መዕረፍን መዘናግዕን ስፍራ ክቕይሮ ከም ዝደሊ ዘቕረብዎ ርእይቶ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
ቀጻሊ መጥቃዕቲ እስራኤል
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፣ ሓማስ ነቶም 59ጅሆ ዝሓዞም እስራኤላውያን ናጻ ክለቖም ስንድው እንተደኣ ኮይኑ፣ መንግስቲ እስራኤል ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ቓዛ ንምስግጋር ድሉው ምዃኑ ዕለት 4 መጋቢት ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ካብ ዕለት 19 ጥሪ ጀሚሩ ብደገፍ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቀጠርን ምስርን ሞንጎይናነት ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ደው ከም ዝበለን፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሓማስ ካብ ጠቕላላ ጅሆ ዝሓዞም፣ 33 እስራኤላውያንን ሓሙሽተ ታይላንዳውያን ዜጋታት ናጻ ከም ዝለቐቐን እስራኤልም ድማ ብወገና ኣስታት 2000 ፍልስጤማውያን እሱራት ናጻ ከም ዝበለት ዝዝከር ኮይኑ፣ እንተኾነ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ 42 መዓልታት ዕርቂ ግዜኡ ስለ ዝኣኸለ፣ ናብ ኲናት ዘምልስ ሳዕቤን ከይህሉ ኣጠንቂቓ፣ ሓማስ ሓድሽ እማመ ክቕበል መታን ናብ ቓዛ ምእታው መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረብን ዓጊታ ከም ዘላ ይንገር።