MAP

መግለጺ ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ህጻናት ደ.ረ.ኮንጎ መግለጺ ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ህጻናት ደ.ረ.ኮንጎ  

መግለጺ ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ህጻናት ደ.ረ.ኮንጎ

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓመጽ እናበርተዐ ካብ ዝኸይድ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ዝገልጽ ጸብጻባት ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምብራቓዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ድሕሪ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ዓመጽቲ ኤም23 ዝረአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF፣ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ግህሰት ብዝለዓለ ደረጃ ይውስኽ ኣሎ እንክብል ኣጠንቂቑ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጹ ጸብጻባት ከምዘመላኽቶ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ዝፍጸም ዓመጽ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸን፡ እዚ ድማ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ምትእትታውን ብህጹጽ ከምዘድሊ ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጾታዊ ዓመጽን ጭውያን

ካብቶም ኣዝዮም ዘጨንቑ ምዕባለታት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያታትን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ምዃኑን እዚ እውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለ ይኸድ ከም ዘሎን፣ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ጾታዊ ዓመጽ (ንደቂ ኣንስትዮ እውን ዒላማ ዝገበረ)፣ ብልዕሊ ክልተ ዕጽፍን ፈረቓን፣ ጭውያታት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸን፡ ቅትለትን ኣካላዊ መጉዳእትን ህጻናት ድማ ብሸውዓተ ዕጽፊ ወሰኽ ከም ዘርኣየን ክፍለጥ እንከሎ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፣ ​​ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ደረጃታት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብዓሰርተ ክልተ ዕጽፊ ከም እተራበሐን፣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ እውን ይውስኽ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ጠቒሱ የመላኽት።

ግዝያዊ ወኪል ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲ.ረ. ኮንጎ ዣን ፍራንስዋ ባሰ፣ ንኹሎም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ነዚ ከቢድ ጥሕሰት ብቕልጡፍ ደው ከብሉዎ ተማሕጺኑ፣ እቲ ዘሎ ሰፊሕ ዘይውሕስነት፣ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ክፈርሱ ብምግባር፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም፣ ብዙሓት ህጻናት ድማ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም፣ ፈቕዶ ጎደናታት ፋሕ ከም ዝበሉን፣ ካብዚ ሓሊፉ፣ ምብትታን ኣገልግሎት ኣኽበርቲ ሕግን ፍትሕን፡ ምስ ምብዛሕ ኣጽዋርን እሱራት ካብ ኣባይቲ ማሕቡስ ምህዳምን ተደሚሩ፣ እዚ ኩሉ ኩነታት ተቓላዕነት ህጻናት ብዓቢኡ ክውስኽ ይገብር ምህላዉ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ግዱድ ውትህድርና ህጻናት

ካልእ ተኣፋፊ ስክፍታ ድማ፡ ኣብ ደ.ረ.ኮንጎ ንነዊሕ እዋን ዝካየድ ብዘሎ ግጭት ምኽንያት፣ ህጻናት ብግዴታ ብዕጡቓት ሓይልታት ከም ዝውሰዱን መጋበርያ ውግእ ከም ዝኾኑን፣ ኣብታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ብዝሒ ህጻናት ወተሃደራት ኣብ ዸም እቲ ዝለዓለ ምዃኑን በዚ መሰረት እውን ሕቡራት ሃገራት ካብ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ኮንጎ ብምትሕብባር፣ እቲ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽን ግህሰትን ንምውጋድ ዝዓለመ ውጥን የካይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ኣብዚ ኣዋን እዚ ዝተባርዐ ውግእ ምኽንያት እቲ ውጥን ኣድሕን ህጻናት ይሰናኸል ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ምክልኻል

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ህጻናት ምሕላውን ምድጋፍን ህጹጽ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ምስ ስድራቤቶም ንምጥርናፍ ጻዕርታቱ ኣሐይሉ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎን፣ 720 ሕጻናት ምስ ስድራ ቤቶም ከም ዘራኸበን፣ መሰነይታ ዘይብሎም 1,200 ሕጻናት ከምዘለለየን፣ ነቶም ገና ስድራቤቶም ክረኽቡ ዘይከኣሉ፣ ግዝያዊ ሓለዋ ንምሃብ ኣብ ማእከላት መዕበዪ ህጻናት ከም ዝሓዞም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኩሎም ወገናት ኣህጉራዊ ሕጋዊ ቅርጻታት ክኽተሉን ንሰላማውያን ሰባት ክከላኸሉን፣ ተሓታትነት ክህሉ ድማ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰበን፣ ማሕበረሰብ ዸምን መንግስትን ፈጸምቲ ናይዚ ግፍዕታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ብምግባር፡ ነቲ ዝርአ ዘሎ ገበናት ብዘይ መቕጻዕቲ ዕሽሽ ምባል ከብቅዕ ጻውዒት ከም ዘቕረበ የመላኽት።

ዞባዊ ግጭት ክህሉ ዝድርክ ምኽንያት

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ብሩዋንዳ ዝድገፉ ሓይልታት ኤም - 23 ነቲ ብማዕድናት ዝሃብተመ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ምሉእ ብምሉ ንምቁጽጻር ዘካይድዎ ዘለዎ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝቕጽልሉ ዝለውሉ እዋን፣ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒታት ይቐርብ እውን እንተሃለወ፣ ምሉእ ብምሉ ነታ ሃገር ክሳብ ዝቆጻጸሩ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቓዕቲ ዝቕጽል ምዃኖም ከም ዝፈለጡን፣ እዚ ግጭት እዚ ናብ ዞባዊ ኲናት ክሰጋገር ዘኽእል ዕቑር ሓይሊ ከም ዘለዎ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC) ንመንግስቲ ኮንጎ ንምድጋፍ ናይ ዝተላእከ ዓቃቢ ሰላም ኣባላት ዝኾኑ 20 ወተሃደራት ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓይልታት ኤም - 23 ምቅታሎም ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ማሕበረሰብ ልምዓት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣፍሪቃን ሩዋንዳን ዝነበረ ዝምድና ንሓደጋ ምፍሕፋሕ ከም ዘቃለዐ ይንገር።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣብዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኤም - 23 ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ጥራይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ከም ዘመዛበለን፣ እዚ ድማ ድሮ ኣብ ደ.ረ.ኮንጎ 7 ሚልዮን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ከም ዝፈጠረን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብውሕዱ 7 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፣ እቲ ቅልውላው ዝፈጥሮ ዘሎን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣድላይነት ዝተዋደደ ግብረ መልሲ ኣፍሪቃ ህጹጽ ምዃኑ ከም ዝእመነሉን፣ እቲ ግጭት ከብቅዕ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ይቕጽል እኳ እንተሃለወ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት፡ ተወሳኺ ምፍሳስ ደምን ዘይምርግጋእን ንምክልኻል ዝያዳ ወሳኒ ምትእትታው ክግበር ዝሓትት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ደ.ረ.ኮንጎ ጠቒሱ የመላኽት።

28 Feb 2025, 15:40