MAP

ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ "ዘይሕለል ውግእ" ደው ክብል ይሓትት ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ "ዘይሕለል ውግእ" ደው ክብል ይሓትት  (AFP or licensors)

ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ "ዘይሕለል ውግእ" ደው ክብል ይሓትት

ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብውሕዱ 40 ህጻናት ከም እተቐትሉን፣ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም ሓቢሩ፡ እዚ ናይ ብዙሓት ህይወት ዝቐትልን ዝጎድእን ዘሎ "ዘይሕለል ውግእ" ብቕልጡፍ ደው ክብል ደጊሙ ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግር አቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መላእ ክፋላት ሱዳን ብዘጋጠመ ምልውዋጥ ቶኽሲ፣ ብውሕዱ 40 ህጻናት ከም እተቐትሉን፡ ኣብ ግዝኣታት ደቡብ ኮርዶፋን፡ ዳርፉርን ካርቱምን ብርቱዕ ዓመጽ ከም እተላዓለን፣ UNICEF - ናይ ውድህ ብሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ሕጻናት፡ ነቲ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ጀሚሩ ብውሕዱ ንኻልኦት 29 ህጻናት'ውን ኣካላዊ መጒዳእቲ ዘስዓበ ዳሕረዋይ ዓመጽ ብምንቃፍ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት መሪር ምዃኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘጋጥም ዘሎ ኣዕናዊ - ከምኡ'ውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ - ስግኣታት ጽኑዕ መርኣያ እዩ" ይብል።

ዓመጽ ከብቅዕ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት

ወኪል UNICEF - ናይ ውድህ ብሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ሕጻናት ጨንፈር ሱዳን ኣንመሪ ስዋይ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ንሕጻናት ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ሞትን ማህሰይት ተደጋጋሚ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ዓ.ም. ኣብ ሱዳን ዝነበረ ግጭት ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝተዘርግሐን፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከቢድ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን፣ ኣብ ግዝኣታት ዳርፉር፡ ካርቱምን ኣልጀዚራን ህጻናት ብዓቢይ ዝርኣይ ዘሕዝን ፍጻሜታት የጓንፎም ምህላዉ ትሕብር።

ኣንመሪ ስዋይ ብተወሳኺ፣ "ህጻናት ሱዳን ናይቲ ዘይሕለል ቃልሲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ ኮይኖም ኣለዉ" ብምባል፣ "ኩሎም ወገናት እቲ ግጭት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘለዎም ግዴታታት ክኽተሉ፣ መሰል ኩሎም ህጻናት ሱዳን ክኽበርን ክሕሎን፣ እቲ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዩኒሴፍ ብዸም ደረጃ ኣብ ልዕሊ 190 ሃገራትን ግዝኣታትን መሰላት ነፍሲ ወከፍ ህጻን፣ ብፍላይ ድማ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕትን ድኻታትን ንምሕላው ይሰርሕ ከምዘሎን፣ ህጻናት ንኽነብሩ፣ ንኽስስኑን ዓቕሞም ንኽፍጽሙን ዝከኣሎ ዝገበር ምዃኑ ተመላኽት።

12 ሚልዮን ካብ መረበቶም ይመዛበሉ

ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት መግንስትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ኣብ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ዝጀመረ ኲናት፡ ኣብ ዸም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ምዝንባል የስዕብ ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፣ እቲ ዓመጽ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከም ዝገበረ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንከመላኽት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ መከራ ከብቅዕ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን እቲ ዝተባርዐ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ፣ ደጋግሚም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅድሱነቶም መራሕቲ ዸም "ንኹሉ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ንምውጋድ ንዝዓለመ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ክውፈዩ" ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩ እውን የመላኽት።

07 Feb 2025, 17:09