ሱዳን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥማ ዘሎ እዋን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ሕቡራት ሃገራት ይላቦ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA)፣ ኣብ ሱዳን ዘጋጠም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፣ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ስርሒታትን ተጣባቕነትን ሓላፊት ኤደም ዎሶሩ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ዘይተኣደነ ስቓይ ብምጥቃስ፡ ምትእትታው ክግበር ሓቲታ፣ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት ኣስታት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ ብርቱዕ ጥሜት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎን፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ከም እተመዛበሉን፡ 3.4 ሚልዮን ድማ ዶብ ሰጊሮም ከም እተሰዱ ኣመላኺታ፣ እቲ ግጭት ኣገልግሎት ጥዕና ከም ዘዕነወን፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ክኾኑ ከም ዘገደደን ንሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መላእ ሃገር ዝሰፍሕ ዘሎ ዓመጽ
ዎሶሩ ኣስዒባ፣ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር፡ መዓስከር ተመዛበልቲ ዛምዛምን ኣብ ከተማ ካርቱምን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ዞባታት ሓዊሱ ዘሰክፍ ኩነታት የጋጥም ምህላዉ ኣረጋጊጻ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘጽደቖ ውሳነ - 2739 (2024 ዓ.ም.) ንናይ ዞባ ዳርፉር ማእከል ከተማ ኤል ፋሸር ከቢቡ ዘሎ ሰራዊት ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ቅልጡፍ ደገፍ ዘካይዶ ዘሎ ወራር ደው ከብል ዝጠልብ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ እዮም ዘለዉ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መዓስከር ዛምዛምን ከባቢኡን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ ኣጠቓቕማ ዝውውር ከበድቲ ኣጽዋርን ምዕናው ቀንዲ ትካላት ዕዳጋን ዘረጋግጽ ምስሊ ሳተላይት ይዝርጋሕ ከም ዘሎን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ኣብቲ መዓስከር ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝግበር ኣገልግሎት ከም ዝተዓናቕፍን እቶም ዝተዓቖቡ ንሕሱም ጥሜት ከም ዘቃልዖምን ሓቢራ፣ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ጸጥታን ደሕንነትን ዘተዓናቕፍ ኵነታት፣ ደብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም (MSF) ኣብ መዓስከር ዛምዛም ዝካይዶ ዝነበረ ስርሒታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ደው ከብል ከም ዘገደዶን፣ መራሓ ግብሪ መግቢ ዸም (WFP) እውን ዛካይዶ ዝነበረ መግቢ ናይ ምቕራብ ኣገልግሎልቱ ከቋርጽ ከም ዝገበሮ ኣመላኺታ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2024 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዛምዛም ኩነታት ጥሜት ከምዘሎ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ፡ መርሓ ግብሪ መግቢ ዸም ሓደ ግዜ ጥራሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ መዓስከር ከም ዘብጸሐን፣ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ናይ መግቢ ሓገዝ እንተደኣ ዘይበጸሐ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥሜት ክሃልቁ እዮም ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።