ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲ.ሪ.ኮ. ብቑልጡፍ ተኽሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ጸረ - መንግስቲ ዕጡቓት ብቕጽበት ተጻብኦታት ደው ከብሉን ካብዚ ሕጂ ዝቆጻጸርዎ ዘለዉ ኩሉ ከባቢታት ክወጹን ብሓደ ድምጺ ጻውዒት ኣቕሪቢ። እዚ ጻውዒት እዚ። ጉጅለ ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ብግጭት ዝተሃስየት ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዛክይዶ ምቁጽጻር ኣብ ዘስፍሓሉ ዘሎ እዋን ዝቐረበ ኮይኑ፣ ሓላፊት ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ቢንቱ ኬይታ፣ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23 ንስርሒታት ዓቃቢ ሰላም ዕንቅፉት ኮይኖም ከም ዘለዉ ኣጒሊሓ፣ ብሓይልታት ምክልኻል ሩዋንዳ ዝድገፍ ኤም - 23 ንገለ ዘካይዶ ዘሎ ዞባታት ናይ ምሓዝ ስጉምትታቱ ነቲ ኣብ ኮንጎ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ሕይወት ኣድሕንን ሰላማውያን ሰባት ምክልኻልን ዘማእከለ ስርሒታቱ ንኸየሳልጥ ይገብር ምህላዉ ኣመላኺታ፣ “ናይ ዓቃቢ ሰላም ተልእኾ ምትዕንቓፍ ገበን እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰብኣዊ ስክፍታታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ
ዋና ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ መሻርኽቲ ኣብ ኡቪራ ደቡብ ኪቩ ብዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ንዝተጸገሙ ሰባት ኣብ ምብጻሕን ሕክምናዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ዘሳልጦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ርኡይ ብድሆታት የስዕብ ምህላዉ ከም ዘመላኸተን፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ማእከላት ክንክን ጥዕና መዓልታዊ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተጎድኡ ዘድሊ ሕክምና ዘቕርቡ ከም ዝኾኑን ኣብ መሬት ካሌሄ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ክሃድሙ ከም እተገዱን፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ጎረቤት ሃገር ብሩንዲ ዕቝባ ሓቲቶም እንክብል ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ዜጋታት ኮንጎ፡ መብዛሕቲኦም ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም፣ ሓለዋ ንምርካብ ናብ ብሩንዲ ከም ዝኣተዉ ይሕብር።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ናይ ሃገረ ኬንያ ርእሰ ብሔር ዊልያም ሩቶን ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮን ብሓባር ኣብ ዲ.ሪ. ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ቅልጡፍ ምቁራጽ ተኹሲ ክግብረ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ሩቶን ሩቢዮን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ነቲ ቅልውላው ደው ንምባል ዝግበር ስነ መላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ከም ዝድግፉ ቃል ከም ዝኣተዉን እዚ ድማ ተኹሲ ደው ንምባል ዝሕግዝ መገዲ ዘመቻችኡ ኣካላት ምሕራይን፡ ምትግባር ተኹሲ ደው ምባልን ናብ ነባሪ ፍታሕ ዝወስድ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መስርሕን ዘጠቓልል ጻዕሪ ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።