ደቂ ኣንስትዮን ውህዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሶሪያ ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ህዳጣን ሃይማኖታትን ካብቶም ካብ መላእ ሶርያ ዝመጹ ኣስታት 600 ዝኾኑ ዜጋታት ኣብቲ ብእስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ነበር ሃያት ታሕሪር ኣል - ሻም እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንኣሳድ ካብ ስልጣኑ ዘውረደ መጥቃዕቲ ዝመርሐ - ዘቖሞ ሓድሽ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝጸወዖ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ደማስቆ ከም እተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ግዝያዊ ርእሰ ብሔር ኣሕመድ ኣል - ሻራ ነቲ ዋዕላ ዕለት 25 ለካቲት ብዘስመዖ መደረ ከም ዝኸፈተን ኣብ መደረኡ፣ "ሶሪያ ከምቲ ባዕላ ገዛእ ርእሳ ሓራ ዘውጸኣት፡ ገዛእ ርእሳ ክትሃንጽ ግቡእ ምዃኑ ኣስተብሂሉ፣ ሎሚ ሶርያውያን ንረብሓ ህዝቢ ንምግልጋል ፍሉይን ሳሕቲ ዝረአ ታሪኻዊ ዕድል ረኺባ ኣላ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኹሉ ዝሓቁፍ ናይ መሰጋገሪ ፖለቲካ ከም ዘስፍሕ ድማ ቃል ከም ዝኣተወን፣ ሶርያውያንን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን እንኮላይ እቲ ኣብ ግዜ ስርዓት ኣሳድ ዝተገብረ እገዳታት ክውገድ ወይ ክቕጽል ድዩ ዝረአ ጉዳይ ከም ዝኸውንን፣ ሶርያ ካብ ዳግመ ህንጸት ቁጠባኣን ብኲናት ዝተሃስየ ትሕተ ቅርጺ ዳግማይ ምህናጽን ክሳብ ብገበን ኲናት ዝተኸሰሱ ሰባት ዝምልከት ሓድሽ ቅዋምን ስርዓተ ፍትሕን ምትካል ዝምልከቱ ዓበይቲ ብድሆታት ኣጋጥሚምዋ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕነ ምፍዳይን ጃምላዊ መቕጻዕትን ከምቲ ተፈሪሑ ዝነበረ እኳ እንተዘይኮነ፣ ብዙሓት ውሑዳት ማሕበረሰባት ሶርያ - ኩርዳውያን፡ ክርስትያን፡ ድሩዛውያንን ኣባላት ዓላዊትን - ብዛዕባ መጻኢኦም ብዙሕ ሻቕሎት ከም ዘለዎም ዝፈልጥ ኮይኑ፣ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኹሉ ዝሓቑፍ ምሕደራ ንምቛን ዝኣተዎ መብጽዓ ተስፋ ከም ዘለዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዝነበሮ ደሓር ነዚ ምትእስሳር እዚ ከም ዝበተኸ ክሕበር እንከሎ፣ ሓባራዊ ህይወት ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ክሕብር እንከሎ፣ ኩሎም ማሕበረሰባት ሶርያ፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ውሑዳት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ዘሳተፈ፣ ሓድሽ ቅዋም ቅድሚ ምሕንጻጽን ሓድሽ መንግስቲ ግድሚ ምቛምን፡ ኣብ ግዝያዊ ሕግታት እታ ሃገር ቀያዲ ዘይኮኑ ለበዋታት ንምእካብ ኣሚቱ ዝጸወዖ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።