MAP

ደቡብ ሱዳን፡ ሳዕቤን እገዳ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደቡብ ሱዳን፡ ሳዕቤን እገዳ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  (AFP or licensors)

ደቡብ ሱዳን፡ ሳዕቤን እገዳ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ኣብ ሱዳን ናይ ምምሕዳር ምዕራባዊ ኢኳቶርያ ዓባይ ከተማ ያምብዮ፡ ምቁራጽ መደብ ኤችኣይቪ ኤይድስ ከጋጥም ከም ዝኽል ተሓቢሩ። ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ኣህጉራዊ መደባት ረድኤት ዘመሓድር ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንምዕጻው ምውሳኑ፡ ህይወት ዘድሕኑ ሕክምናታትን ምትእትታዋትን ክቋርጽ ከም ዝገብርን ህይወት ብዙሓት ተቓላዕቲ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከም ዝኾነ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መደብ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ምቁራጽ፡ ንህይወት ብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ከም ዝኾነን፣ እዚ ኣብ ያምብዮ ደቡብ ሱዳን ዝወሃብ ኣግልግሎት ሕክምና፡ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራምፕ፡ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት፣ ንጥፈታት ናይቲ ኣብ ዸም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕራቢ ተባሂሉ ዝግለጽ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USAID)፡ ንጥፈታቱ ክዕግት ዝወሰዶ ውሳነ ምኽንያት ክቋረጽ ምዃኑ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ክሕብር እንከሎ፣ እቲ ብመንግስቲ ዝግበር ምትእትታው ምቁራጹ፡ ንህላወ ብዙሓት ተቓላዕቲ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከም ዝኾነን፣ ድሕሪ እቲ ውሳነ ናይ ዙሓት ሰባት ሕክምና ናይ ምርካብ መሰሎም ክገሃስ ምዃኑን ድሮ ንሞት ምፍራድ እውን እዩ ዝኸውን።

͸ብͻባት

ሚኒስተር ጥዕና ደቡብ ሱዳን ጀምስ ዓብደላ ኣሮና ውሳኔ ትራፕ ዘስዓበሉ ስክፍታ ገሊጹ፡ መንግስትን መሻርኽቱን "ንተቓላዕቲ ህዝቢ ቀጻሊ ደገፍ ንምርግጋጽ ለገስቲ ከዋፍሩ" ይላቦ። ሃዛዊ ጭብጥታት ጉዳያት ጥዕና ከም ዝሕብሮ፣ ዝርገሐ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ኣብ ግዝኣት ምዕራባዊ ኢኳቶር ጠቕላላ ብዝሒ ነቲ 6.8% ዝሽፍን ዝምልከት ኮይኑ፣ ካብቲ ኣሃዛት ማእከላይ ኢኳቶርያ (3.1%)፣ ምብራቓዊ ኢኳቶርያ (4.0%) ዝውክል እዩ። ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብዘይ ዝኾነ መጠንቀቕታ ኣገልግሎት ክቋረጽ ትእዛዝ ምሃብ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ምዃኑ ሓቢሮም። ጽልዋ ናይዚ እገዳ ኣዕናዊ ክኸውን ከም ዝኽል መንግስቲ ኣፍሊጡ፣ ተወሳኺ ስቓይ ንምክልኻል ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ይሕተት።

USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ግጭት ንዝሳተፋ ወይ ብድኽነት ንዝሳቐያ ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምቅላል ድኽነትን ከም ማእከላይ ዓንዲ ዝቑጸር ትካል እዩ። USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ኣብ 1961 ዓ.ም. ከምዝተመስረተን ካብ 1980ታት ጀሚሩ ምስ ሰብኣዊ ደገፍ ዝተኣሳሰር መሰል ትምህርቲ ንምርግጋጽ ክቃለስ ከምዝጸንሐን ይዝክር፤ ንጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን ውሑስ ክኸውን ድጋፍ ዘቕርብን ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ለበዳ ሕማማት ከም ኤችኣይቪን ዓሶን ንምምካትን ዝዓለመ እውን ምንባሩ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

08 Feb 2025, 18:01