ስልማት ሰላም ኒዋኖ ኣብ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ሙሳዋ ዝተመደበ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንጾታዊ ፍትሕን ማዕርነትን ስድራቤት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝውፈ ዓለማዊ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ሙሳዋ፡ ኣብ ዓውዲ ሃይማኖት ምስልምና ንሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝገብሮ ጎስጓስ ንመበል 42 ሽልማት ሰላም ኒዋኖ ክበቅዕ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጎስጓስ ንጾታዊ ማዕርነት
ብመሰረት ዕለት 18 ለካቲት ሽማግለ ሽልማት ሰላም ኒዋኖ ዝተዘርግሐ መግለጺ፣ ሙሳዋ (ብቛንቋ ዓረብ "ማዕርነት" ማለት እዩ) ምስ መትከላት ናይቲ ክቡር ሽልማት ሰላም ጃፓን ዝሰማማዕ “ኣብ ዕላማ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘተ ሓድሕድ ሃይማኖታት ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን” ብዝገበሮ ልዑል ኣበርክቶ ንመበል 42 ሽልማት ከም ዘሕረዮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማሕበር ሙሳዋ ኣብ 2009 ዓ.ም. ብማሌዥያዊት ዛይና ኣንዋርን ኢራንያዊት ዚባ ሚር - ሑሰይኒን ዝተመስረተ፡ ኣብ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ሱር ዝሰደደ ጾታዊ ወገናውነት ንምፍታሕ፡ ኣብ ሃገራት ኣስላም ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝውሕስ ኣገባብ ክህሉን፡ ጠብቓታትን ናይ ሕጊ ምሁራትን፡ ናይ ስነ ፍልጠት ኣካላትን ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ኮይኑ፣ መስረትቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ምሁራውን መንፈሳውን መሰረታት ኣንቢረን፣ ኣቀራርባኡ ኣብ ክልቲኡ መትከላት እምነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመስረተ ምዃኑ ከም ዘረጋግጻ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ምንቅስቓስ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ኣብ እስያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ሰሜናዊ ዸምን ዝርከባ ዞባታት ሓዊሱ ንልዕሊ 40 ሃገራት ዝሽፍን ሰፊሕ መርበብ ኮይኑ፡ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ኣማኻሪ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ምዃኑ የዘኻኽር።
ኣብ ትምህርትን ምዕባለ ኣመራርሓን ትኹረት ምግባር
ኣብቲ መግለጺ ሽማግለ ሽልማት ሰላም ኒዋኖ፡ መሰረታዊ መዳይ ስራሕ ሙሳዋ ኣብ ትምህርትን ምዕባለ ኣመራርሓን ዘተኮረ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፣ እቲ መርበብ ኣብ ውሽጢ ኣስላማዊ ዸም ኵነታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተራ መሪሕነት ንምዕባይ ዝዓለመ ሓያሎ ናይ ስልጠና መደባት ምቕራብ እውን ከም ዝጀመረን፣ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣሳታፍን ስነ - ምግባራውን ቀጥዕታት ኣመራርሓ ብምምዕባል፡ ኣብ መምርሕታት ጽልዋ ዘሕድርን ኣድልዎ ዝፈጥሩ ኣሰራርሓታት ንምብዳህን ኣብ በርገሳውን ፖለቲካውን መስርሓት ዝዋፈሩ መጋበርያታት ዘቕርብ እውም ከም ዝኾነን፣ ካብዚ ሓሊፉ፡ ሙሳዋህ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት፡ እንኮላይ ምስ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምትሕብባር፡ ጾታዊ ፍትሒ ዘተባብዕ ሕጋውን ስርዓተ ምሕደራውን ለውጢ ክግበር ይጣበቕ።
ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ምቅላስ
ሙሳዋህ ኪኖ ሕጋዊ ምጉስጓስ፡ ዓውደ መጽናዕትታት፡ ስልጠናታትን ናይ ንቕሓት ወፍርታትን ብምውዳብ፡ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ብንጥፈት ይቃለስ። እዞም ተበግሶታት እዚኦም ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ዓመጽ ደው ክብላ ሓይሊ ዝህብ ኮይኑ፡ ንዝተቓልዑ ጉጅለታት ንምክልኻል ጸጋታት እውን የተኣኻኽብ።
ሓይሊ እደ ጥበብን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብምግንዛብ፡ ሙሳዋህ ንመንእሰያት ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ መድረኻት ንምጉስጓን ማሕበራዊ ለውጥን ክውዕል እውን ይምህር፡ በዚ ድማ ቀጻልነት ተልእኾኡ ኣብ ወለዶታት የረጋግጽ። ካልእ ርኡይ ኣበርክቶ ሙሳዋ ኣብ ምጽሓፍን ምዝርጋሕ ፍልጠትን ዝምልከት ኮይኑ፣ እቲ ትካል፡ ታሪኽን ኣበርክቶን ናይተን ካብ ዝተፈላለየ ባህላውን ሃይማኖታውን ድሕረ ባይታ ዝመጻ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝገልጽ ብብዝሑ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ሰነዳትን ናይ መጽናዕቲ ጽሕፋትን ኣብ ምዝርጋሕ እውን የተኩር።
ሽልማት ሰላም ኒዋኖ
እቲ ንኽብሪ ቡድሃዊ ኒክዮ ኒዋኖ ዝተመስረተ በቢ ዓመቱ ዝወሃብ ሽልማት ሰላም ኒዋኖ፡ ነቶም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ምትሕብባርን ዘተን ልዑል ኣበርክቶ ዝገብሩ፡ ኣብ ዸም ሰላም ንምዕባይ ንዝውፈዩ ኣፍልጦ ንምሃብን ንምትብባዕን ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ። ስነ - ስርዓት መበል 42 ሽልማት ዕለት 14 ግንቦት ኣብ ጃፓን ከተማ ቶክዮ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ብጀካ ናይ ሽልማት ምስክር ወረቐት፡ ሙሳዋህ መዳልያን 20 ሚልዮን የን ገንዘባዊ ሽልማትን ክረክብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።