MAP

ሓማስ፡ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ብዘይምኽኣላ ዕርቂ ተሰናኽል ሓማስ፡ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ብዘይምኽኣላ ዕርቂ ተሰናኽል  

ሓማስ፡ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ብዘይምኽኣላ ዕርቂ ተሰናኽል

እስራኤል 600 ንፍልስጥኤማውያን እሱራት ምፍታሕ ደው ድሕሪ ምባላ እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ፍልስጥኤማዊ እስላማዊ ምንቅስቓ ገሊጹ፣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ድሕሪ 22 ዓመታት ታንክታት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰለስተ መዓስከራት ስደተይናታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ንምውጻእን ነቲ መዓስከራት ንምቁጽጻርን ከም እተዋፈራ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተገብረ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ፍልስጥኤማዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ክሕብር እንከሎ፣ እዚ ድማ እስራኤል ምፍታሕ 600 ፍልስጤማውያን እሱራት ንዘይተወሰነ ግዜ ከተናውሖ ዝወሰደቶ ውሳነ ዘስዕቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ፍልስጥኤማውያን እሱራት ኣብ ሓደ መዓልቲ ምፍታሕ ዝብል ስምምዕ፣ ዕለት 23 ለካቲት ምስ ምፍታሕ ሽዱሽተ እስራኤላውያን ጅሆታት ዝተተሓሓዘ ከም ዝነበረን፣ መራሔ መንግስቲ እስራኤልም ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣቐዲሙ ምፍታሕ 600 እሱራት ፍልስጥኤማውያን ከም እተሰጋገረ ሓቢሩ ከም ዝነበረን፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓማስ ኣብ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ዘርኣዮ ዘሎ ዘዋርድ ተግባራት እዩ እንክብል ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ታንክታት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ 22 ዓመት ካብቲ ናይ መወዳእታ ግዜ - ኣብ እዋን ስርሒት ምክልኻል ዋልታ 2002 ዓ.ም. - ታንክታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ጥቓ ሓያሎ ዓድታት ከባቢ ጀኒን ከም እተዋፈራን፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ዕለት 21 ጥሪ ዝጀመረ ሕንጸት ናይ ሓጺን መንደቕ ከም ዝኾነን፣ ብተወሳኺ እቲ ሰራዊት ካብቲ ቦታ ወጺኡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሰለስተ መዓስከራት ስደተይናታት ማለት ጀኒን፡ ቱልካርምን ኑር ኣ - ሻምስን ከም ዝሓዘን፣ እዚ ውሳነ እዚ ምኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ይስራኤል ካትዝ ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነተን መዓስክራት ክሕዝ መምርሒ ሂቡ ከም ዝነበረ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

24 Feb 2025, 16:02